back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ድሕረ ባይትኡን

ህዝቢ ኤርትራ፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዘሕለፎ ፈታኒን፣ ክብርታቱ ዝባሕጎገን ኣተሓሕዛ ባዕዲ፣ ምስ ምምጻእ እንግሊዝ ፍታሕ ክረክብን ዓዱ ባዕሉ ከመሓድርን ተስፋ ኣሕዲሩ ነበረ፤፤ ይኹን እምበር: ምምሕዳር እንግሊዝ: እግሩ ከይኣተወ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ሓደገኛ መስመሩ ብምኽታል: ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዝገበረሉ ሓዲሽ ክስተት ክጠልም ደኣ ተራእየ። ነቶም ኣብ ግዜ ፋሽሽታዊ ስርዓት ጥልያን ኣብ ኤርትራ ኣማሓደርቲን ሰበስልጣናትን ዝነበሩ ኢጣልያውያን: ኣብ ስልጣኖም ከምዝቅጽሉ ብምግባር: ንሕብረተሰብ ኤርትራ ፍጹም ብዘዋርድ መንገዲ ኣጓነይዎ።
መረረን ማሕበራዊ ሽግራትን ህዝቦም ዘተረድኦም ሃገራውያን እዮም ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ኣስመራ ብስቱር እንዳተራኸቡ ክላዘቡ ዝጀመሩ። እዞም ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ናይ ኣካዳምን ምሕደራን ተሞኩሮ ዝነበሮም ግለሰባት: ድሕሪ እቲ ብሓደ ኢጣልያዊ ሓላፊ ፖሊስ ኣብ ፊት ቤትጽሕፈት ናይሽዑ ፖሊስ ማለት ኣጂፕ ኣብ ወከልቲ ኤርተወራውያን ዛብጥያ(ፓሊስ) ዝተወስደ ናይ ቅትለት ፍጻሜ: ንማሕበራዊ ሽግራት ኤርትራውያን ዝጣበቅን ዝንቃሳቀስን ማሕበር ብ ዕለት 5 ግንቦት 1941 ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተት። “ማሕበር ፍቅሪ ሃገር” ዝብል ሽም ድማ ተዋህባ። መራሕታ 12 ኮይኖም 6 ካብ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና: 6 ድማ ካብ እምነት ክርስትና ነበሩ። እዚ ነቲ ዝነበረ ሓድሕዳዊ ምክብባርን: ወገናዊ ዝነጽግ ውርዙይ ባህሊ ኤርትራውያንን ዘንጸባርቕ ነበረ። ብዕለት 05 ግንቦት እዛ ማሕበር ዝወደበቶ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣስመራ ተገብረ። መደረ ከስምዕን ምስ ሰበስልጣን ምምሕዳር እንግሊዚን ክራኸብ ብብጾቱ ዝተመዘዘ ሓርበኛ ኣቦና ኣብደልቃድር ከቢረ ድማ ምምሕዳር እንግሊዝ ንህዝቢ ኤርትራ ዘተስፈዉዎ ሓርነቱን ዓዱን ክህብዎ ዘማሕጽን ትሕዝቶ ዘለዎ ታሪኻዊ መደረ ሃቡ። እታ ማሕበራዊ ሽግራት ንክትፈትሕ ዝተመስረተት ማሕበር ፍቅሪ ሃገር እምበኣር: ኣብ ኣባላታ ተዶጊሉ ብዝጸንሐ ድላይ ናጽነት ናብ ህዝቢ ብምብጻሕ ስርሓ ጀመረት። እታ ማሕበር ምስ ኩሉ እቲ ኣብ ጉዕዞኣ ዘጋጠማ ብደሆታትን ምምቕቃልን: ነቲ ድሒሩ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ፓለቲካዊ መድረኽ መበገሲ ዝኾነትን ነቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ኣንጻር መግዛእቲ ዝቃለስ ዝነበረ ናይ ደቂ ሃገር ተበግሶ ናብቲ ቀጺሉ ብሰለማዊ ኣገባብ ኣብ መጨረሽታ ድማ ብብረት ዝጀመረ ሰውራ መላግቦ ሙኻና ብዙሓት ሰነዳት ይገልጹ።
ምምሕዳር መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ መፋርቅ 40ታት ንዘተኣታተዎ ምባእታዊ መሰላት ምምስራት ማሕበር: ምእካብን ሓሳብካ ምግላጽን ነቶም ኣብቲ ሽዑ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ዜጋታት ዓቢ ዕድል ስለዘረነበረ: ብዝከኣሎም ንናጽነት ኤርትራን ማሕበራዊ ፍትሒን ጎስጊሶም። ኣብ መወዳእታ ፓለቲካዊ ሰልፍታት ብምምስራት ድማ ኣንጻር ምምሕዳር እንግሊዝ: ኢድ ኣእታውነት መስፍናዊት ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ገጢሞም። “ቀጽሪ ናጽነት” ዝሰመይዎ ጽላል ብሙቋም እተን ኩለን ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሳ ዝነበራ ሰልፍታት ብጥርኑፍ ሓይሊ ተንቀሳቀሳ። በንጻሩ ብመስፍናዊት ኢትዮጵያ ዝምልመሉ ብዝነበሩ ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ፖለቲካ ኤርትራ ዓበይቲ ገበናትን ቅትለትን ይፍጸም ኔሩ። ሓደ ካብኡ ቅትለት ሓርበኛ ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ክትቀስ ይከኣል። ፖለቲካ 40ታት ኣብ ሞንጎ ናጽነት ኤርትራ ዝጠልቡን ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክመልሱ ዝህቅኑ ዝነበሩን ይካየድ ብዝነበረ ቅሩቁስ ይዝከር። ተራ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ምምቅቃል ኤርትራውያንን ጥልመት ሓያላን ሃገራትን ውን ቀሊል ጽልዋ ኣይነበሮን። ኣብ መወዳእታ ንሽሙ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እተጽንዕ መርማሪት ኮሚሽን ናብ ኤርትራ ብምልኣኽ: ሚዛናዊ ስእሊ ክህብ ብዘይክእል ኣገባብ መጽናዕታ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቅረበትን: ደሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ብዘየእተወ መንገዲ ድማ ብ 2 ታሕሳስ 1950 ኤርትራ ብፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ክትመሓደር ተበይኑ። እዚ ብይን እዚ ኢትዮጵያን ሓያላን ሃገራትን ረብሓታተን ብዝሕሉ መንገዲ እዩ ተኻይዱ። ከምውጽኢቱ ድማ ኣብቲ ድሒሩ ዝተፈጥረ ፓለቲካ ኤርትራ ሓያል ተቃውሞታት በጺሒዎ። ብፍላይ ንዓብላልነትን ምልክን መስፍናዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘርኢ ሸነኽ ወትሩ ተቃውሞ ምስገጠሞ እዩ። ሂወት ናይቲ 10 ዓመታት ዝወሰደ ፈደረሽን ኣብ ክልተ ዝኽፈል ኮይኑ: ብመንግስቲ ተድላ ባይሩን መንግስቲ ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ይፍለጥ። ኣብ ግዜ መንግስቲ ተድላ ባይሩ: ሓያለ ንናጽነት ኤርትራ ዝሕለቁ ኣባላት መንግስቲ ስለዝነበሩ: እቲ ቃልሲ ብተዛማዲ ዝሓየለ ኔሩ፡ ጽልዋ ናይቶም ኤርትራዊ መንፈስ ዝነበሮም ፓለቲከኛታት ውን ብኡ መንጽር ዓቢ ኔሩ። ኣብቲ ድሒሩ ዝተተኽለ መንግስቲ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል ግና: ባይቶን መንግስትን ኤርትራ ብሓያል ዓብላልነትን ምተትእትታው ኢትዮጵያን ስለዝተታሕዘ: ፈደረሽን ዝኸለሎ ረብሓታት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብዘእቱ መንገዲ ተታሒዙ። ከምውጽኢቱ ድማ ናብ ምፍራስ ፈደረሽንን ጎቦጣን ኣምሪሑ። ብ 14 ሕዳር 1962 እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንእሽቶ መተንፈሲ ዝረኽበሉ ዝነበረ ፈደረሽን ብወግዒ ፈሪሱን: ኤርትራ መበል 14 ግዝኣት ኢትዮጵያ ክትከውን ብበይናዊ ውሳኔ ዘውዲ ኢትዮጵያን ተሓባበርታን ተፈሪዳ።
ኣብ ግዜ ፈደረሽን ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ መንግስቲ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል መቀጸልታ ናይቶም ዝጸንሑ ብዙሓት ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሱ ፈተነታት ተራእዮም እዮም። እቲ ኣቀዲሙ ብበዓል ራእስ ተሰማ፡ ወልድኣብ ወልደማርያምን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ዝቅለስ ዝነበረ ጎስጋሳትን ቃልሲን ድሒሩ ንኣብ ባይቶ ዓቢ ተራ ዝነበሮም ከም በዓል ሸኽ እድሪስ መሓመድ ኣድም ኣካተተን ሓይሉ በረኸን። ብሰንኪ ዝነበረ ጸቅጢ መስፍናዊት ኢትዮጵያ ናብ ስደት ከምርሑ ዝተገደዱ፡ ዓበይቲ ፓለቲከኛታት ከም ወልደኣብ ወልደማርያምን መሓመድ ዑመር ቃዲን ናብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝቐንዐ ናይ ራድዮ መልእኽትታት ንብዙሕ ሃገራዊ ዕማማት ዓዳሚ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ 50ታት ማሕበር ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፍታት ሃገራዊ ስምዒት ደቂ ሃገር ዘለዓዕልን ዘይተንበርካኽነት ኤርትራውያን ዝምስክርን ኔሩ።
ድሕሪ እዚ ኩሉ ፍጻሜታት: ቃልሲ ኤርትራ ንናጽነት ናብ ካልእ መድረኽ ዘሰጋግር ነገር ተፈጥረ። ንሱ ድማ ምምስራት ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ወይ ድማ ሓራካ እዩ። መስራቲ ሓራካ ሙኻኑ ዝእመነሉ ሓርበኛ መሓመድ ስዒድ ናውድ: ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ተሞክሮ ዝነበሮ ኮይኑ: ቅድሚ ምምስራት ሓራካ ኣብ ዝነበረ እዋን ናብ ኤርትራ ብምእታው ሓፈሻዊ ቅርቡነት ኤርተወራውያን ንቃለሲ ከምዘጽነዐ ይነገር። በዚ መሰረት እምበኣር ሓራካ ኣብ ፖርት ስዳን መንበሪ ገዛ መሓመድ ስዒድ ናውድ ብ 2 ሕዳር 1958 ተመስሪታ። መሰረትታ 8 ኮይኖም መሓመድ ስዒድ ናውድ: እድሪስ መሓመድ ኣልሓሰን(ገንሸራ): ሓሰን ኣልሓጅ እድሪስ: ያሲን ዓቀዳ: ዑስማን መሓመድ ዑስማን: መሓመድ ኣልሓሰን (ደንከሊ): ሓቢብ ገዓስን ሳልሕ እያይን እዮም። እቲ ኣብ ሱዳን ዝተመስረተ ሓራካ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ሓያሎ ሰዓብቲ ኣጥረየ። ኣወዳድብኡ በብሸውዓተ ሰባት ስለዝነበረ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ከበሳ ብማሕበር 7 ይፍለጥ ኔሩ። ምምስራት ሓራካ ንህዝቢ ኤርትራ ሓደ ነጥበ መቅይሮ እዩ ኔሩ። እቲ ምኽንያት ቀንድን ወሳኒን ሕቶ ስለዝመለሰ። ንሱ ድማ ድልውነትን ተሳታፍነትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ናጽነት እዩ። በዚ መገዲ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ሓራካ ክውደብን ተደናጋጺ ናይቲ ምንቅስቃስ ክኸውንን ክኢሉ።
ሓራካ ክምስረት ከሎ ሒዝዎም ዝተበገሰ ዕማማት ከምዚ ዝስዕብ ይመስሉ
1 መደረኽ መምስራት ምንቅስቃስ
2 መድረኽ ምንቅቃሕ: ምምሃር: ምስፍሕፋሕን ምዝርጋሕን
3 መድረኽ ምጥንቃቅ ወይ ምትኳር ወይ መደረኽ ምንቅቃሕ
4 መድረኽ ምትግባር። ዕልዋ ዝካየደሉ ናይ መወዳእታ ሸቶ ሙዃኑ ዝዩ።
ብኸምዚ ጉዕዝኣ ዝጀመረት ሓራካ: ነተን ሰለስተ መደረኻት ብዓቢ ናህሪ ከተተግብረን ከላ: ብሰንኪ ኣብ ኣወዳድባ ዝነበረ ምስጢራውነት ግን ናብ መደረኽ ትግባረ ክትኣቱ ተጸጊማ። በዚ ምኽንያት እዮም እምበኣር ኣብ ካይሮ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተምሃሮ ምስ ሳልሕ ሳበን ካልኦት ንጡፋት ኤርተወራውያን ፖለቲከኛታት ብምልዛብ ብረታዊ ቃልሲ ክጅመር ተበግሶ ዝወሰዱ። ኣብ ሓምለ 1960 ድማ ውድብ ተሓኤ ኣብ ካይሮ ብወግዒ ተመስረተት። ኣብታ ዝተመስረተት ውድብ ምስ ፖለቲካዊ ሂወት ኤርትራ ጥቡቅ ርክብ ዝነበሮም ከም እደሪስ መሓመድ ኣድም ስለ ዝነበሩ ድማ: ዝምድናታቶም ተጠቂሞም ምስ ኣብ ኤርትራ ነቲ ተበግሶ ክስዕብዎ እዮም ዝበሉዎም ሃገራውያን ርክብ ፈጠሩ። መስረትቲን መራሕቲን ተሓኤ ዝናን ኣበርክቶን ዓዋተ ብቀረባ ይከታተልዎ ስለዝነበሩ: ምስ ዓዋተ ርክብ ብምክያድ ነቲ ናይ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ መደረኽ ክውን ንክኸውን ተተሓሓዝዎ። ዓዋተ ኣብቲ እዋን ምስ መንግስቲ ተጋጭዩ ብወግዒ በረኻ ወጺኡ እዩ ዝነበረ። ተሓኤ ብመገዲ ሸኽ መሓመደ ዳውድ ዝበሃል ወኪላ ንዓዋተ ጻውዒት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ምስቀረበትሉ: ጻዊዒት ተቀቢሉ ንሰለስተ ብጾቱ ኣካፈሎም። ካብ ዓዋተ ናብቶም ሰዓብቱን ምስኡ ብሓባር ብረታዊ ቃልሲ ዝመሰረቱን ብጾቱ ዝቀረበ ጻውዒት ድማ “ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ነጻ ንክትከውን ሰብ ትደሊ ኣላ” ዝብል ነበረ። ዓዋተ ትምህረቲ ዝነበሮን ብዙሕ ቃንቃታት ዝመልኽን ኣብ ምምሕዳር ይኹን ውትህድርና ተሞኩሮ ዝነበሮ ስለዝነበረ: ኩነታት ኤርትራ ክመዝን ዝኽእል ንቁሕ ሰብ እዩ ኔሩ። በቲ ጽቡቕ ዝመልኮ ቋንቋ ጥልያን ፖለቲካዊ ኩነታት ዓለምና ይከታተል ብምንባሩ ድማ እኹል ፖለቲካዊ ብቕሓትን ሓበሬታን ነበሮ።
ንዓዋተ ተኸቲሎም ኣብ ሓደ መሰከረም ኣብ ዝነበረ ግጥም ዝተሳተፉ 10 ተጋደልቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም። ዓዋተ መሓመድ ፋትድ: ሳልሕ መሓመድ ኣድም ቅሩጫይ: ሑመድ ደውሔን: ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ: ዑመር ኬራይ: ፈጉራይ ኣቡ ሓሊማ: ኣድም ኣቡ ሓሊማ: ዓብዱ መሓመድ ፋይድ: ኢብራሂም መሓመድ ዓሊን በረግ ኖራይን እዮም።
እዞም ዝተጠቅሱ ዕጡቃት ብ 1 መስከረም ብረታዊ ቃልሲ ክጅምሩ ምስወፈሩ ብ26 መስከረም ኣብ ጎቦ ኣዳል እንከለዉ: ሓይሊ ፖሊስ ስለ ዝረኸቦም ቶኽሲ ተኸፍተ። ብረታዊ ቃልሲ ጀሚርና ኢሎም ካብ ዝወጹ ንፋልማዮም ዘካየድዎ ግጥም ምስ ጸላኢ ስለዝነበረ: እዚ ዕለት እዚ ከም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ይኽበር ኣሎ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ: ዓዋተን ብጾቱን ኣብ ጎቦ ኣዳል ኣዝጊቦም ብምውዓል: ዓዋተ ሓንቲ ጥይት ጥራይ ቶኪሱ ሓደ ፖሊስ ጸላኢ ስለዝቀተለን እያ እታ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበሰረት ሓንቲ ጥይት ተባሂላ ትጽዋዕ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ብቃላት ዓዋተ “ሎሚ ኣዛኒት(ኣልቢኒ) ኣድሚጻ። ንፈለማ ግዜ ንሕናን ገዛእቲን ገጽ ንገጽ ተዋጊእና። ድሕሪ ደጊም ኣብ ዓራት ምድቃስ የለን!”
በቲ ዝወሰዶ ተበግሶ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ስድርኡ ከቢድ በደላት ወሪዱን: ክሳብ መላእ ኣባላት ስድርኡን ንብረቱን ውን ተኣሲሮምን ተራስዩን። ዓዋት ኣብ ሓደ ዝዋን “ኢድካ እንተዘይሂብካ: ንስድራኻ ክንኣስሮም ኢና” ዝብል ምፍርራሕ ምስ በጽሖ: “ወላ ንኹሎም ኣቃብጽዎም: ኣነ ግን ንድሕሪት ኣይብልን” ክብል መሊሱ ነበረ። ንኤርትራውነት ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ቅሩብ ክኸውን ዝገበሮ ሃገራዊ ስምዒቱ በዚ ክረጋገጽ ይኽእል። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ውን ብመንግስቲ ክምለስ መጸዋዕታ ምስተገበረሉ: “ባንዴራ ናብ ቦትኣ ምለስዋ: ነዞም ከደዓት ኣሰምብልያ(ኣባላት 3ይ ሃገራዊ ባይቶ 60–62 ዝነበሩ) ኣሊኹም በቶም ናይ ቀደም ብሃገራውያን ኣባላት ባይቶ ተክእዎምን” ክብል ንሃገራውነቱ ዘጉልሕ መልእኽቲ ዝሰደደ።
ዓዋተ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ነቲ ወተሃደራዊ ስርሓት ሰውራ ብጅግንነት መሪሑ እዩ። ዝተፈላልየ ኩናት መሪሑ፡ ተቃለስቲ መልሚሉ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ሰውራ እግሪ ተኺሉ ንክድልድል ጽን ዓት፡ ጅግንነትን መትከልን ኣውሪሱ። ሓረበኛ ተጋዳላይ ክቡብ ሕጃጅ ዓዋተ ዝነበሮ ሕማም ምስ ከበዶን ክመውት ሙኻኑ ምስፈለጠን ንብጾቱ ብምጽዋዕ ዝበሎ ናይ መጨረሽታ ለበዋ ሓሚድ ብኸምዚ ዝስዕብ ይዝክረን “ኣነ ሞይተ ማለት፡ እዚ ቃልሲ ሞይቱ ማለት ኣይኮነን። እንተ ሰሚርኩምን ጸኒዕኩምን ሰውራ ኣይጠፍእን እዩ። ኣስላም ዶ ክርስትያን ኣይትበሉ። ወላ እካ ነናትና ሃይማኖት እንተሃለወና፡ ሃገርና ግን ሓንቲ እያ፡ ኩልና ድማ ሓደ ኢና። ሎሚ ሰውራ መሪር እዩ፡ ዝጥዕመሉ ግዜ ግና ክመጽእ እዩ!!”
እቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዝገበረን ሽግ ሓርነት ሰውራ ዝወልዕን ሓርበኛ ሕምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ መፋርቅ 1962 ብሕማም ተሰዊኡ። ዝወልዓ ሽግ ድማ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ስዒብዋስ፡ ድሕሪ 30 ዓመት መስገደል ኤርትራ ብመዳርግቲ ኣልቦ ምስዋእቲ ደቃ ካብ ጎቦጣ ተገላጊላ ዳግማይ ንሃገርነት በቂዓ። ንሃገርነት ዝበቅዐት ሃገርና ዴሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ናይ ምግባራ ሓላፍነት ናይ ኩልና ስለዝኾነ፡ በዚ ታሪኻዊ ዕለት ንምእላይ ሕድሪ ሰውራ ኤርትራ ዝጠለመ ዲክታትራዊ ስርዓት ኢሰያስ፡ ንወፍሪ ምትካል ዴሞክራስን ፍትሕን ኣብ ሃገርና ማሕላና ነሐድስ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ሞጎስን ንሰማእታትና!!
ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles