back to top
ቀዳም 22 ለካቲት, 2025

ገጣማይ ጸጋይ መሓሪ (ተሞርዖ) ኣብ ሽወደን ናይ ክብሪ ሽልማት ተወሂቡ

ኣብ ሽወደን ዞባ ቨስትማንላንድ ዝነብር ኤርትራዊ ጸሓፊ ጸጋይ መሓሪ ተመርዖ፡ ተሸላሚ ናይ’ቲ በቲ ዞባ ዚዕደል ሽልማት ኮይኑ። እዚ ኣብ ጥባብዊ ስራሓቶም ልዑል ብቕዓትን ተወፋይነትን ንዘርኣዩ ግለ ሰባት ዝዕደል ሽልማት፡ ንጸጋይ መሓሪ ሓዊሱ ንኣርባዕተ ግለ ሰባት ዝተዋህበ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፎም 25,000 ኮሮና ሽወደን ኢዮም ተቐቢሎም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኢቲ ኤርትራ ስነ-ጥበበኛ፡ “ክግለጽ ዘይከኣል ስምዒት ኢዩ፡ ሕጉስ ኢየ፡ ክብረት ድማ ይስመዓኒ” ክቢል ስሚዒቱ ገሊጹ።
ጸሓፍን ገጣማይን ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ) ኣብ 2014 ናብ ሽወደን ተሰዲዱ ድሕሪ ምምጻእ፡ ካብ 2019 ጀሚሩ ድማ ኣብ ቨስተርዎስ ዝበሃል ዓዲ ናይ’ታ ሃገር ኢዩ ዝቕመጥ። ጸጋይ፡ ከም ተሓጋግዚ ነርስ ማሕበራዊ ስነ-ኣምሮኣዊ ሕክምና ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ትርፊ ጊዜ ድማ፡ ንካልኦት ኣብ ምሕጋዝን ኣስተምህሮ ኣብ ምሃብን ከምዝነጥፍ፡ ብዛዕብኡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዞባ ቨስትማንላንድ ዝሰፈረ ጽሑፍ የመልኪት።ጸሓፍን ገጣማይን ጸጋይ መሓሪ ኣብ 2019 ውን ተመሰሳሳሊ ናይ ክብሪ ሽልማት ተወሃቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ጊዜ ናይ 50 ሽሕ ኮሮና ሽወደንን ድፕሎማን ተሽላሚ ኮይኑ ነይሩ። ኢዚ ብምምሕዳር ናይቲ ከባቢ ዝዕደል ሽልማት ድማ ኣብ ነፍሰ ወከፍ ሰለስት ዓመት ሓንሳእ ዝዕደል ኢዩ።

ጸጋይ፡ ሳርማታት ኣደይን ገጻት ሓርነተይን ዝብላ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ግዳይ ስቃያት ማእሰርቲ ካብዝነበሩ ብዙሓት ስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ ሓደ ኢዩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,384ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles