ሓካይም ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ ብ 27 ሰነ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ተሳፊሮምላ ዝነበሩ ጃልባ ብምጥሓላ፡ 22 ካብኣቶም ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ፡ ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ድማ ሂወታ ከም ዝሰኣነትን ሓቢሩ። እቲ ትካል ግብረ ሰናይ፡ 71 ሰደተኛታት ከም ዘድሓነ ክሕብር እንከሎ፡ ሰበ-ስልጣን ኢጣሊያ ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም ኣብታ ናይ ህይወት ኣድሕን መርከብ ዘለዉ ስደተኛታት ዝወርድሉ ውሑስ ቦታ ከጣጥሑ ተማሕጺኑ። ሰራሕተኛታት እቲ ሰብኣዊ ትካል፡ ናብታ እትጥሕል ዝነበረት ጃልባ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ገለ ተሳፈርቲ ኣብታ ጃልባ ተዓጊቶም፡ ገለ ድማ ኣብ ባሕሪ ከንሳፍፉ ከም ዝጸንሕዎም ሓቢሮም። ነታ ነፍሰ-ጾር ንምድሓን ዝገበርዎ ፈተነ ከም ዘይቀነዖም ድሕሪ ምሕባር፡ ንሰለስተ ህጹጽ ረዲአት ዘድልዮም፡ ኣርባዕተ ወርሒ ዝገበረት ህጻን እትርከቦም ግዳያት እቲ ሓደጋ ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዝሃቡን እታ ህጻን ምስ ኣደኣ ናብ ማልታ ከም ዝተወሰደትን ገሊጾም። ትካል ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ ካብቲ ሓደጋ ንዝደሓኑ ዝኣጊት ኣብታ ኣብ መስርሕ ሂወት ኣድሕን እትነጥፍ መርከብ ይኣልዮም ከም ዘሎ፡ ግዳያት፡ ሓያል ድኻም ከም ዘለዎምን ገና ኣብ ኵነተ ስንባደ ከም ዝርከቡን ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ሰርሕተኛታት እቲ ስአብኣዊ ትካል ኣስዒቦም፡ ብዛዕባ እቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከም ዘለውን፡ ድሮ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ደቀን ኣብቲ ባሕሪ ከም ዝሰኣና ክሕብራ ከለዋ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ሓዋ ኣብቲ ባሕሪ ከም ዘጠፍአ ከም ዝሓበረቶምን ኣፍሊጦም። ሓደ ካብ ዝደሓኑ ዝዀነ ካሜሮናዊ ዜጋ፡ “ ቅድሚ ምድሓንና ኣብ ባሕሪ ን19 ሰዓታት ነይርና፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰዓት ብዙሓት ሰባት ክጠልቁ ርእየ እየ፡…..” ክብል ከም ዝመስከረ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ ገሊጹ። እቲ ትካል ወሲኹ፡ ነቶም ዘድሓኖም ስደተኛታት ኣሳፊሩ ናብ ኢጣልያ ንምጒዓዝን ድሕንነት ዘለዎ ቦታ ንምርካብን ምስ ሰበ-ስልጣን ማልታን ኢጣልያን ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ። ዜግነት ናይ ዝደሓኑ ይኹን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ግዳያት ግን ዛጊት ኣይገለጸን ዘሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ 24,184 ሰደተኛታት ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአን፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ጥራይ 721 ስደተኛታት ሃለዋቶም ጠፊኡ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።