back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጀሚራ

ድሕሪ እቲ መንግስቲ ሱዳን ብናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ 7 ወተሃደራት ሱዳን ኣጋጢሙ ዝተባህለ ኣሰቃቂ ኣቀታትላን ምዝርጋሕ ስእልታቶም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ሱዳን ሕነ እቲ ፍጻመ ንምፍዳይ ኣብ ከባቢ ኣልፋሽጋ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊታ ከምዘላ፡ ካብታ ሃገር ዝርከብ ዘሎ ሓበሬታት የመልክት፡ ነዚ ኣመልኪታ ራድዮ ኤረና፡ ንኣሾሾይትድ ፕረስ ብምጥቃስ፡ ሰራዊት ሱዳን ድሮን ንሓያሎ ቦታታት ተቖጻጺሩ ከምዘሎ ሓቢራ።

ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ፋታሕ ኣልቡርሃን ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣብቲ ከባቢ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ሱዳን ሕነ ንምፍዳይ መጥቃዕቲ ከምዘካይድን፡ ዝኾነ ዓይነት ምዝርራብ ከምዘየካይድን ብምጥቃስ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቃት ጉጅለታት ከምዝተፈጸመን፡ ነቲ ፍጻመ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖን ብምግላጽ፡ ክዘራረቡ ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብጉዳይ ኣልፋሽጋ ክከራኸራ ዝጸንሓ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሓድሽ ደማዊ ኲናት ከይኣትዋ ዓቢ ስግኣት ሓዲሩ ይርከብ።

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles