back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ እትሰርሕ ኮሚቴ ንዘተ ሰላም ብፌደራል መንግስቲ ተጣይሳ 

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ ዕለት 14 ሰነ 2022 ምስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ፡ ንጉዳይ ዘተ ሰላም ምስ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተርን ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ደመቀ መኮነንን ዝምራሕ ኮሚተ ኣጣይሱ። ን ዘተ ሰላም ንምእታው ዘደሊ መጽናዕቲ ተካይድ ከምዘላን፡ እታ ኮሚተ ክሳብ ሕጂ ጸብጻባ ንፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘየቕረበትን ኣብ ቀረባ እዋን ጸብጻባ ከተቕርብ ትጽቢት ከምዝግበረላን ሓቢሩ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ እዛ ኮሚተ ኣቀድም ኣቢላ ዝቖመት ክትከውን ከላ፡ ናብ ዘተ ሰላም ንምእታው ዘድልዮ ቅድመ-ኲነትን ካልእን ንመጽናዕቲ ከምዝቖመት ይሕብር። ብምቅጻል፡ እንታይ ምስ ዝምልኡ እዮም ናብ ዘተ ሰላም ዝእቶ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መጽናዕቲ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ። 

ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ሜዲያታት ዝሕበር ኣብ ናይጀርያን ኣብ ኬንያን ኣብ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ምስ ወከልቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ተራኺቡ ዝብል ውጹእ ሓሶት ሙዃኑ ኣብሪሁ። እንተኾነ ግን ነቲ ብ ጋዜጣ ሌሞንድ ብዛዕባ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ወርሒ ኣብ ታንዛንያ ወከልቲ መንስግቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ክራኸቡ እዮም ዝበል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣምልኪቱ  ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። 

ኣብቲ ኣኼባ ሓደ ካብ መራሕቲ ሰልፊ ብሄራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ ኣቶ ደሳለኝ ጫኔ፡ ኣዚ ዝግበር ሰላም ንህዝቢ ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ዘጠቃለለ እንተኾይኑ ከምዝሓተተ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ኣንፈታት የርኢ ኡኳ እንተሎ፡ ኣብዚ ኲናት ሓድሕድ ዝተሳተፉ ኣካላት ብዙሓት ምስ ምዃኖም ናይ ምዕዋቱ ስግኣታት ከምዘሎ ይሕበር።

Related Articles

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles