ኣብ ፍራንስ ትሕተም ሊሞንደ ዝተባህለት ጋዜጣ ወከልቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል መንግስቲ ትግራይን ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ ኣብ ሃገረ ታንዛንያ ክራኸቡ ምዃኖም ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዲፕሎይማስያዊ ምንጭታት ዝርከብዎም ምሕባሮም ኣፍሊጣ። እዚ ኣብ ከተማ ኣሩሻ ወይ ካኣ ኣብ ካልእ ከተማ ታንዛንያ ክግበር እዩ ዝባሃል ዘሎ ናይ ፈለማ ገጽ ን ገጽ ርክብ፡ 5 ኣባላት ወከልቲ ካብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን 5 ድማ ካብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘካተተ ርክብ ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ ናይ ፈለማ ርክብ፡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛትን ቀረብ ኤለትሪክ ማይን ባንክን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዘተኮረ ዝርርብ ምዃኑ ክግለጽ ከሎ፡ ብዛዕባ ክልላዊ ዶባት ዝምልከት ኣብቲ ኣጀንዳ ዘተ ከምዘየለ እታ ጋዜጣ ሓቢራ። ብተወሳኺ ብመሰረት ዝረኸብክዎ ሓበሬታ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናይ ወልቃይት ወይ ከኣ ምዕራብ ትግራይ ዝባሃል ጉዳይ ዳርጋ ዘወንዘፎ ወይ’ውን ከም ኣጀንዳ ኣልዒሉ ይዘርበሉ ዘለዎ ተገዳስነት ከምዘየርኣየ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።
An article by a French newspaper #LeMonde apparently claims, quoting unnamed Addis-based diplomats, that discreet talks will be held b/n Tigray and Ethiopian authorities and the former has “abandoned their claims to Western Tigray”. These are mendacious claims,of course. While
— Getachew K Reda (@reda_getachew) June 10, 2022
ኣፈኛ ህወሓትን ኣባል ኮማንድ ፖስት ትግራይ፡ ጌታቸው ረዳ፡ እታ ጋዜጣ ብዛዕባ ጉዳይ ወልቃይት ዝበሎ ሓሶት ምዃኑን መንግስቲ ትግራይ ክሳብ ነፍሲ ወከፍ መሬቱ ሓራ ዝወጽእ ብሰለማዊ ይኹን ብካልእ መንገዲ ክቃለስ ምዃኑን ይሕብር ክብል ኣብ ትዊተር ዘስፈሮ መልእክቲ ይገልጽ።