back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ስድራቤት ሰመረ ገብርሂወት ናይ ስነ-ኣእምራዊ ምዕባለን ጉድለት ንዘለዎ ውላዶም ከም ምሩኽ ኲናት ከይትሓዝ ተማሕጺኖም

ስድራቤት ናይቲ ብጌጋ ከም ምሩኽ ናይ ኲናት ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ማሕዩር መንግስቲ ትግራይ ዝርከብ፡ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎ እሱር ኤርትራዊ ሰመረ ገብርሂወት፡ መሰላቱ ክሕለወሉን ህዝቢ ንምፍታሑ ክተሓባበሮም ጸዊዖም።

ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ ክፍሎም ገብርሂወት፣ ዓቢ ሓዉ ን እሱር ሰመረ ምስ ሰቲት ብቀዳም 4 ሰነ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ደሃይ ናይ ኣእምሮ ጉድለት ጥዕና ዘለዎ ሓው ሰመረ ከምዘየለን ብሰንኪ ዘለዎ ሕማምን ጉድለት መዓልታዊ ዝወስዶ መድሃኒትን ፡ ህጹጽ ሕክምናዊ ቆላሕታን ምእላይን ብምስኣን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ክብል ሓቢሩ።

ሰመረ ገብሪሂወት ወዲ 27 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብዓርቢ 8 ሚያዝያ ኣብ መጓሰ ተዋፊሩ ከሎ ብወተሃደራት ትግራይ ካብ ዓዱ ሸሸቢት ተጨውዩ ከምዝተወሰደ፡ ኣብ ጀርመን ዝነብር ወዲ 28 ዓመት ሓዉ ክፍሎም ኣፍሊጡ። ስድራ ሰመረ ንሳምንታት ሃለዋቱ ድሕሪ ምስኣን ብተለቪዥን ትግራይ ዝተዘርገሐ ቁሩጽ ቪድዮ፡ ሰመረ ምስ ካልኣዩ እሱራት ናይ ኲናት ከም ምሩኻት ተታሒዞም ዝብል ቃለ መሕትትን ብዕለት 30 ግንቦት ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ሃለዋት ሰመረ ክፈልጡ ከምዝኸኣሉ ሓቢሮም።

ብተሌቭዥን ትግራይ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ መጠይቅን፡ ሰመረ ኣብ ኲናት ከምዝተማረኸን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተግራይ ክንደይ ሰባት ቀቲልካ ክንደይ ሰባት ዓሚጽካ ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ሽረ፡ ዓዲ ግራት፡ ዓድዋ፡ ራማ ልዕሊ 32 ከምዝቀተለን 23 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝዓመጸን ዘርኢ ዝርርብ ናይ ሕቶን መልስን መደብ ተዘርጊሑ ይርከብ።

“ሰመረ ሓወይ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዝጎደሎ ዘይጓዳእ ሰብ እዩ። ወተሃደር ኣይኮነን። እዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ኣይወዓሎን።” ይብል ክፍሎም።
ብመሰረት ምስ ሰቲትን ሶል ሚድያ፣ ኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ምስ ሓው ሰመረ፣ ደቂ ሸሸቢትን፣ ሰመረ ብሕማም እምሮን ምንፍርፍርን ንብዙሕ ዓመታት ካብ ህጻኑ ዝሳቀ ምዃኑን፣ ተቐማጣይን ምምሕዳርን ሸሸቢትን ከምዝፈልጡን ይሕብሩ። ድሕሪ ነዊሕ ኣበይ ኮን ይህሉ ብህይወቱ’ዶ ኮን ይህሉ ዝብል ሻቅሎት ስድራ ሰመረ ውሉዶም ኣብ ትግራይ ከም ምሩኽ ተታሒዙ ምህላው ዝያዳ ን ኲነታቱ ከምዘስግኦም ሓቢሩ።

ሰመረ ብዘይመድሃኒትን ክንክንን ብዙሕ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ክእለት ዘሻቐሎ ሓው ክፍሎም ከምዚ ይብል፡ “መድሃኒትን ክንክንን መዓልታዊ የድልዮ። ምስ ሰመረ ክወፍር ከለኹ፣ ንሰዓታት ማይ ከይሰተየ ስቅ ይብል። ሰመረ እንካ ማይ ስተ ክብሎ ኣለኒ ማይ ክሰቲ። ሸዑ ነታ ጎማ ብምልኣ ይውድኣ፡ ምሒር ንነዊሕ ጸሚኡ ስለዝጸንሕ። ኣእምርኡ ጉድለት ስለ ዘለዎ ሰብ ክነግሮ ኣለዎ ብላዕ ስተ ክብሎ ኣለዎ። ንህይወቱ ይሰግእ ኣለኹ።”

ሰቲት ሚድያ ብመሰረት ካብ ስድራ ሰመረ ዝረኸበቶ ሰነዳት፡ ሰመረ ብሃገራዊ ማሕበር ኣእምራውን ምዕባላውን ስንኩላን ኤርትራ (ሃማኣምስኤ) ዝፍለጥ ማሕበር ን ዝውሃብ መረጋገጺ ካርድ ሃልይዎ፡ ዝንቀሳቀስ፣ ብምምሕዳር ሸሸቢትን ንወተሃደር ክዕስከር ብቅዓት ከምዘይብሉ ምስክር ኮይኑ፣ ስድርኡን ተቐማጦ ሸሸበቲን ይምስክርሉ። ብሰንኪ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ሰመረ ብሕክምና ዝእዘዝ ፈኖባርብ ዝብሃል መድሃኒት መዓልታዊ ከምዝወስድን፡ ፈኖባርብ ከምኡ’ውን ብ ፈኖባርቢታልን ዝፍለጥ መድሃኒት ንናይ ኣእምሮ ጭንቀትን፡ ሕማም ምንፍርፋርን፡ ኢንሶምንያን ንምፍዋስ ዘገልግል መድሃኒት ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ መድሃኒት እዚ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና (WHO) ንዝተወሰነ ዓይነት ሕማም ኢፕሊምስ (epilepsy) ንምሕካም ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦትን ጥራይ ክውሃብ ምሕጽንታ ኣሎ።

ሰመረ ዓርቢ 8 ሚያዝያ ምስ ክልተ ነበርቲ ሽሸቢት ኣብ ጉስነት ወፊሩ ኮሎ ብወተሃደራት ትግራይ ተወሲዱ፡ ኣብ ትግራይ ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከምዘለው ይዝከር።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብጀካ እቲ ብዕለት 30 ግንቦት ዝተዘርገሐት ቃለ-መሕትት፡ ነዚ ብስድራ ሰመረን ነበርቲ ሸሸቢት ዝውሃብ ዘሎ ሓድሽ ሓበሬታ ስጋዕ ሕጂ ዝነጽግ ይኹን ዝቕበል መብርሂ ኣይሃበን ዘሎ።

Related Articles

1 COMMENT

  1. Based on his family evidence and people who grow up with him in his back home ,he has mental health issues,he never been in military service,so just they took him when he want to shipered his animals,just they using him for propogand . SoAs I’m Eritrean citizen I am seeking justices for my brother.

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles