ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብረቡዕ 1 ሰነ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝስፈሮ መልእኽቲ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተሸመ ኣፍሊጡ። ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ን ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ይትክኦ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንሱ’ውን ነቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ስንብት ዝሓተተ ንፍሉይ ልኡኽ ጀፈሪ ፈልትማን ኣብ ጥሪ 2022 ከምዝተክኦ ይዝከር።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸይድ ዘሎ ፖሎቲካዊ ዘይምርግጋእ፣ ጃምላዊ ግፍዕታትን፡ ስግኣት ጥሜትን ኣብ ዝገጥመሉ ዘሎ ዞባ፡ ምስሓብ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ሓጺር ግዜን እቲ ዞባን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ኣብ ዘለዎ እዋን ምዃኑን፣ ዓቢ ዲፕሎማሳዊ ሃጓፍ ገዲፉ ክብሉ ናይቲ ዞባ ነባራትን ህልዋትን ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ይገልጹ። ሳተርፊልድ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣዕናዊ ግጭት ንምፍታሕን፡ ጻዕርታት ጎረቤት ሃገር ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ንምክትታል ተመዚዙ ክንሱ፣ ኣብ ወሽጢ ሓደ ዓመት ዘይኣክል፡ ክልተ ሰብ መዚ ተቀይሮም ኣለዉ።
ኣሜሪካ ስሙር ምዕራባዊ ግንባር ኣብ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ትመርሕ ከምዘላ ዋላ’ካ እንተ ተሓበረ፡ ብ ዋሽንግተን፣ ብፍላይ ድማ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ክሳብ ሕጂ ዝተወሰዱ ፖሊሲታት ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቅን፣ ኢራን፣ ቻይናን ኣድማዒ ከምዘይኮኑ ይግለጽ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣምባሳደር ሃመር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝገብሮ ጻዕሪ ኣበርክቶን ብሃንቀውታ ከምዝጽበ ገሊጹ።
ብዙሓ ቋንቛታት ከምዘምልኽ ዝንገረሉ፡ ብዘይ ዕቃበ ሓሳቡ ምግላጽ ዝፍለጥ ኣምባሳደር ሃመር፣ ኣምባሳደ ኣብ ቺሌ፡ ካብ 6 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ድማ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ኣምባሳደር ሃመር ናብ ክፍሊ ህዝባዊ ጉዳያት( Bureau of Public Affairs) ቅድሚ ምጽንባሩ ኣብ ዋይት ሃውስ ፍሉይ ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት፡ ላዕለዋይ ዳይረክተር ፕረስን መራኸቢታትን፡ ከምኡ’ውን ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ካብ ጥሪ 2009 ክሳብ ጥሪ 2011 ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ካብ መዙ ዝሰናበት ዘሎ ኣምባሳደር ዴቪድ ኤም ሳተርፊልድ፡ ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ኣብ ኣመሪካን ኣብ ወጻኢ ፡ ቀረባ ምብራቕን ኤውሮጳን ናይ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎትን ናይ ፖሊሲን ምሕደራን ተመኩሮ ዘለዎ ኮይኑ፣ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ዳይረክተር ሰራሕተኛታት ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ሊባኖስን ቱርክን፡ ኣምባሳደር ኣብ ዒራቕን ግብጽን ፈጻሚ ጉዳያት ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ተልእኾ ስርሑ ከም ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣረኪቡ፣ ናብ ራይስ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ህዝባዊ ፖሊሲ ቤከር ኢንስቲትዩት ኮይኑ ስርሑ ኣብ ሓምለ ክጅምር ኢዩ።
ብመንጽር ህላወን ጽልዋን ቻይናን ሩስያን ኣብቲ ዞባ ብፍላይ፣ ኣብ ኣፍሪቃን ብሓፈሻን ድማ፣ ተደጋጋሚ ምቅይያር ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝተፈላለየ መልእኽቲ ክህብ ዝኽእል ኮይኑ ፣ ብዘይካ ‘ቲ ንጹር ፖሊሲ ዘይምህላው ዝብል ግምጋመ፡ ምምሕዳር ባይደን ኣስታት 500 ሰራዊት ናብ ሶማልያ ምስዳድ ዝብል ብ 16 ግንቦት ከምዝገለጸ ዝዝክር ኢዩ። እዚ ውን እቲ ጸረ-ሽበራ ዝብል ስም ‘ኳ እንተ ተዋሃቦ፣ ኣመሪካ ዳግማይ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምእታዋ ንረብሓኣ ብዝበለጸ ዝገልጽ ፈተነታት ምዃኑ ይሕበር።