back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ሰለስተ ትሕተ-ዕድመ ኤርትራውያን ጓሶት ብዕጡቓት ህወሓት ሙጒዳል ኣካል ወሪድዎም

ካብ ምንጭታት ሰቲት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ግንቦት፡ ንትግራይ ዘማሓደር ውድብ ህወሓትን ወተሃደራዊ ክንፊ ዝኾነ ብቲዲኤፍ(TDF) ዝፍለጥ ወተሃደርዊ ሓይሊ፡ ኣብ ከባቢ ሸንክ ራማ ዘሎ ዶብ ኤርትራን ትግራይን፡ ንስለስተ ጓሶት ኤትራውይን ጭውዮም ከምዝወስድዎም ተቃሊዑ። እቶም ተጨውዮም ዝተውውሰዱ ኣብ ክሊ ዕድም 13 ዝርክቡ ትሕተ-ዕድመ ቆልዑ፡ ኣብ መጓሰ ከለዉ ከምዝተጨወዩን፡ ድሕሪ መጭወይቶም ካኣ ብሰራዊት ህወሓት፡ እቶም ክልተ ክልተ ኣዒንቶም ብምፍሳስ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ዓይኑ ከምዝፈስስ ብምግባር፡ መሪሑ ናብ ኤርትራ ክከይድ ከምዝገበሩ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ። እቶም ግዳያት ድሕሪ ብ ሰራዊት ኤርትራ ዝተገበረሎም ቀዳማይ ረድኢት፡ ናብ ማእከል ሕክምና ዓይኒ ኣብ ኣስመራ ከምተወሰዱን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረክቡ ከምዘለዉ ምንጭታትና ኣረጋግጾም።
ዕጡቓት ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ከባቢታት ጾሮና ከብትን ጠለ-በጊዕን ከምዝዘመቱን ሓደ ቀሺ ድማ ጨውዮም ብምውሳድ ሃላውቱ ከምዝጠፍአን ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሓቢሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles