እዚ ቅንያት እዚ ኣብ ኤርትራ ድሙቅን ኩሉ ዜጋ ዝፈልጦን ብዝያዳ ድማ ንሃገራዊ ስምዒት ዘለዎ ዜጋ ሓደ ኣገዳስን ኤርትራ ከም ልዑላዊት ሃገር ኮይና ድምጻ ዘስመዓትሉ ፈላምን በዓል ምኻኑ ኢዩ ።
ንምንጻር ኤርትራ ብኤርትራውያን ከም ልዑላዊት ሃገር ክትግዛእ ካብ ካልኦት ወረርቲ ዘብቅዓሉ ናጻ ሃገር ንዝብልን ዝገልጽን ተኣወጀ ሃገራዊ በዓል ምኻኑ ኢዩ ።
መበገሲ ሓሳበይ ስሚዒታት ኢዮም ። ስምዒታት ውደባ ኢዮም ። መን ኢኻ ? ነብስኻ ብመን ኢዩ ዝግለጽ ። መን ምኻንካ ኢዩ ዝነግረካ ። ነብስኻ መን ምኻንካ ምስ እተለልያ እዚ ሓደ ካብቲ ንውደባ መሰረታዊ መበገሲ ባእታ ኢዩ ።
እቲ ሎሚ ንገለ ዜጋታትና ቀንዲ ሽግር ኮይንዎም ዘሎ ድማ እዚ ምኻኑ ኢዩ ። ነብሶም ኣብ ክሊ እዚ ሕብረተሰብ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ክረኽብዋ ዘይምኽኣሎም ኢዩ ። እቲ ምኽንያት ድማ ምስቲ ተወጺዕና ዝብል ድምጺ ብዙሕ ኤርትራዊ ሓሳብ ክሕወስ ዝፍትን እኮ እንተኾነ ኣርሒቁ ዝምርቀፍ ካልእ ስምዒታት ሓሳብ በሊዑ ንካልኦት ዜጋታት ዝበልዕ ብምኻኑ ንብዙሕ ሓደጋ ኣቃሊዑ ተቃለዐን ኮይኑ ኣሎ ።
ገለ ኤርትራውያን ነብሶም ብደም ኣብ ኤርትራ ስለ ዝረኽብዋ ውን ኤርትራውነት ብዘርኦም ብምዕቃን ብምትእምማን ደማዊ ውህደቶም ምስ ኤርትራ ብምትሕሓዝ ነብሶም ክገልጹ ዝጻዓሩ ተዓዚበ ኣለኹ ።
እቲ ተሳሕተ ግን ዘርኢ ወዲ ሰብ ሰባዊ ውልቃዊ ወይ ባዕላዊ ፍትውት ካልኦት ዝገልጽ ውልቃዊ ውሳኔን ተበግሶን ምኻኑ ምስሓቶም ኢዩ ። እዚ ኣቃውማ እዚ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ኣንጻር ስምዒት ሕብረትሰቡ ክቀውም ውን ተኽእሎ ኣሎ።ውሁድ ውልቃዊ ስምዒት ኢዩ ። ስለዚ ዘርኢ ወይ ደም ከም ሕብሩ መለክዒ ዘይብሉ ዘዋሪ ዋሕዚ ኢዩ ። ሰብ ካብ ሰብ ኢዩ ! ምስ ሰብ ። እዚ እቲ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል ቀይዲ ኢዩ ። ነዚ ክንቆጻጸር ግን ስርዓት ወይ ኣቃውማ ሕብረተ ሰብ ይፍጠር ።
ታሪኽ ናይ ተቀበልቱን ከም መወከሲ ዝወስድዎን ደጊሞም ዝጸሓፍዎን ዝኣምንሉን ድኣ እምበር ናይቶም ብደም ይብጸሐና ብምባል ብትዕቢት ዝግዕሩ ወይ በንጻሩ ዘናሽውዎ ኣካላት ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ ።
ታሪኽ መኣዝን ኢዩ ። ወጽዓ ድማ ህሉው ዝንበብ ሕሰም ኢዩ ። ኣብ ታሪኽ ንመቀይሮ ኣይዝተን ኢዩ ። ታሪኽ ኣይግዘትን ኢዩ ። እቲ ሓደ ትግዝቶን ትቃለሶን ኣብ ህሉው መድረኽ ዝርከብ ኣታሓሳባን ገዛእን ሓሳብ ኢዩ ።
ድሕሪ ዓወት ህግሓኤ ውሑድ ምስቲ ናይ ናጽናት ኤርትራ ዓወት ዘይሳማማዕ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ኔሩ ኢዩ ። ኣብ ክሊ ምእኩል ሓደ ብዙሕ ሕብረተ ሰብ ስለ ዝስፈር ግን ብሓሳብን ድሌትን ሕብረተሰብ እታ ሃገር ክውሕጥ ዘኽእል መገዲ ክፍጠር ብምግባር ተዋሒጡ ቢዩ ። ከም ውጽኢት እቲ ክህነጽ ዝግብኦ ስምዒታት ማዕረ እቲ ውሽጣዊ ብኩራቶም ስለ ዘይነበረ ግን ሎሚ ኤርትራውያን ኣይኮናን ዝብል ድምጺ ፈጢሩ ኣሎ ።
ንሕና መንብሮናንን ስምዒታትናን ብዘይ ቅየድ ዝገልጸና ኤርትራ ኢዩ ዝብሉ ድማ ዋላ ተሰዲዶም ቃሕ ሰም ከይበሉ ዝግለጽሉ ዜጋታትት ድማ ጸኒሖሙናን ኣለዉናን ።
ኣብ ደምበ ፍትሒ ፖለቲካዊ ኣታሓሳስባ ዝሓዘ ቃልሲ ኣሎ ክትብል ክብድ ይብል። መን ምኻኑ ዘይፈልጥ ውዳቤ ክትፈጥር ከቢድ ኢዩ ። ውዳበ ዘይብሉ ድማ ዋላ ውን ነታ ሲዒረ ትብል ጥዕምትን ካዕቦ ምስትንፋስ ትህብን ከድምጻ ተብቅዖ ውድቀት ካልኦት እንተበጽሓ ኣድሪራቶ ክንሳ ተመሪዛ ብምጽናሕ ኣብ ምሳሕ ጽባሕ ከምትቀትሎ ፍሉጥ ኢዩ።
ደንበ ፍትሒ ናይቶም ወጽዓ ኣሎና ብምባል ኣንጸርጺሮም ብድሌት ዝተኣኻኸቡን ኣብ ሓደ ወናኒ ዘይብሉ ቁራዕ ዝተኣልኩን ኢዩ ። ኣብዚ ዝበስል ድኣ እምበር እንታይ ዓይነት መግቢ ኮይኑ ጽባሕ ይቅረብ ዝዓጦ ዘሎ ኣይመስልን ።ክሳብ ሕጂ ኣይተረእየን።
ኤርትራ ኣብ ለውጢ ምስቲ ብዙሕ ክህልዋ ዝግበኦ ኣብ ብዙሕ ተሰዲዱ ዝነብር ዜጋና ብምትሕሓዝ ብዙሕ ጽቡቕ ክትምነ ትደፋፍእ ሃገር ክትከውን ኢኻ ትጽበያ ።ኮይኑ ግን እዚ ኣታሓሳስባ እዚ ገና ኣይተወልደን ።ዋላ እኮ ካብዚ ንኤርትራ ጽቡቅ ዝደሊ የለን ዘስምዕ እንተዘይኮነ ኤርትራ ነዚ ኣይበጽሓቶን ።
ኤርትራ ኣብ ጽባሕ ካብቶም ሎሚ ናትና ኢያ ዝብልዋ ዘለዉ ሰበስልጣን ኣምሊጣ ናይቶም ነብሶም ብትውልዲ ምሳና ምስ ኤርትራውያን ብምቅማር ኤርትራውነቶም ክገልጹ ዝፍትኑ ኤርትራውያን በሃልቲ ምስ ትኸውን ናይ ሰዓርትን ተሰዓርትን ሃገር ድኣ እምበር ለውጢ ወይ ፍትሒ ናይ ዘናድዩ ዜጋታት ሃገር ክትከውን ዘሎ ተእእሎ ክጸብብ ጸቢብ ኢዩ።
እቲ ድሕሪ ኢሰያስ ዝመጽእ እቲ ካብ ኢሰያስ ዝኸፍእ ክኸውን ግድን ኢዩ ።ሎሚ ከቢድ ሕሰም ብዓይኑ እና ረኣየ ህሉው ኩነታት ተገንዚቡ ጽባሕ በዚ ስእሊ እዚ ኣቀሚጡ ዝኸፍአ ዝረኣዮ ግን ውሑድ ኣእምሮ ጥራይ ኢዩ ።
ንኺድ !!!
እዚ ኣብ ሓደ ዋና ዘይብሉ ቁራዕ ተኣሊኹ ብዘርከበን ነታ መኾስ ብዝሓዛን ዝገላበጥ ቢለ ዝገለጽክዎ ብስም ደምበ ፍትሒ ዝልለ ኣታሓሳስባታት እቲ ሓደ ሎሚ ብስሩዕ ከበርክቶ ዝርአን ዝኽእሎን ቅዲ ጸላኢ ምፍራይ ኢዩ ።
ጸላኢ ኣብ ብስግኣት ኢዩ ዝውለድ ። ስግኣት ናይ ሓደጋ ቃጭል ኢዩ ። እዚ ድማ በጣቃላሊ ስምዒታት ኢዩ ።
እቲ መን ንመን ይመስል ዝብል ናይ ውደባ ኣቃውማ ኣብ ስጋን ደምን ዝርከብ ዘይኮነስ ኣብ ስምዒታቶም ዝርከብ ሓሳብ ኢዩ ኣቃውማ ብምፍጣር ስርዓት ዝሕዝ ።
ኣብ ዝሓለፈ ካብዚ ሒዘዮ ዘለኹ ጽሑፍ ዝተፈልየ ብሓጺር ጽሑፍን ኣገላልጻን ክልተ ሕብረተሰብ ኮንና ኣሎና ዝብል ኣርእስቲ ኣቀሚጠ ኔረ ። እዚ ኣባህላ እዚ ንስምዒታትና ዘማእከለ ምንባሩ ኢዩ ። ሕብረተሰብ ናይ ስምዒታት ጥርኑፍ ውጽኢት ኢዩ ።
ምስዚ ዝተቃናጠበ ኣባህላታት ግን ድማ (ሎጂክ ) እንታይ ክብል ደልየ ኣለኹ ንምብጻሕ ክትሽገሩ ይረእየኒ ኣሎ ።
ምሳኹም ምስ ኤርትራውያን ዘማሳስለኒ ሕብረይ ወይ ደመይ ጥራይ ኣይኮነን ስምዒታተይ ኢዩ ። ደመይ ኣብ ፈቀዶ ዓድን ሃገርን ክትረኽብዎ ተኽእሎ ኣሎ ። ስምዒተይ ግን ኣብ ገገዛኹም ክጸንሐኩም ኢዩ ። እምበኣር እዚ ኢዩ ናትና ወይ ናትና ኣይኮነን ብምባል ኣራጋጊጽኩም ኢድኩም ብምውጥዋጥ ክትረቁሕሉ ዘኽእል ሃገራዊ ወይ ሕብረተሰባዊ ሕብሪ ።
ፖለቲካ ነዚ ሕብሪ እዚ ከማሓድር ድኣ እምበር ነዚ ሕብሪ እዚ ክፈጥር ዝውሃብ ሓሳብ ኣይኮነን ። ከምኡ ዓይነት ዕዮ ምስ ዝጅምር ግን (ምኽላስ ) ኣብ ከምዚ ደምበ ፍትሒ ዝኽተሎን ኣትይዎን ዘሎ ዋላኻ ተሸሚሙ ኢዩ ዝጎቶ ወይ ዘውጽኦ ዘናዲ ተጸባዪ ሙቁሕ ኮይኑ ዘብቅዕ ።
ጽልኢ ንመን ንጹር ታርጌት ኣብ ዘይህልዎ እዋን ንውሽጥኻ ኢዩ ዝብርዝ ። ውሽጥኻ ንመን ብምባል ከለሊ ዓቅሚ ኣብዝስእለሉ እዋን ድማ ነብስኻ ንሓደጋ ይቃላዕ ። ነብስኻ ንሓደጋ ምስ ዝቃላዕ ድማ ብኻልኦት ስግኣት ኮንካ ትግለጽ ።
ኣብ ደምበ ፍትሒ ፖለቲካዊ ኣታሓሳስባ ዝሓዘ ቃልሲ ኣሎ ክትብል ክብድ ይብል። ኢለ ኔረ ። ንመን ዝብል ንጹር ዕላማ ዘይብሉ ናይ ቃልሲ ኣታሓሳስባታት ፖለቲካዊ ኣታሓሳስባ ኣለዎ ክትብል ከቢድ ስለ ዝኾነ ኢዩ ። ውፍሪ የለን ኣየስምዕን።
ኤርትራውያን ተረሺኖም ዝሰምዐ ውዱብ ይኹን ዘይውዱብ ኤርትራዊ ናይ ኢዶም ረኺብም ዝብል ግብረመልሲ ዝህብ ውልቃዊ ይኹን እኩባዊ ኣታሓሳስባ ምስ ዝህሉ ኤርትራዊ ወኒ ኣለዎ ብምባል ኣብ ጽባሕካ ግደ ክህልዎ ክትጽበ ምፍታን ዕሽነት ኢዩ ። እቶም ሰባት ኤርትራውያን ኢዮም ። መን ኔሮም ብዘየገድስ ።
እቲ ዝያዳ ዘገርም ብስም ኤርትራውያን ዝቆመ ውደባታት ንጹር ገበን ግዳያት ከየለለየ ኣብቲ ክወሃበና ተመሪጹ ዘሎ ስእሊ ብምስካዕ ብዘይ ፍርዲ ገበን ከሰክሞም ክንጽገም ዘይረአ ምኻኑ ኢዩ ።
ምስ ከምዚ ዓይነት ኣታሓሳስባ ተሰከመ ውዱብ ሓይሊ ይኹን ውልቀሰብ ሓደ ዓይነት መለለዪ ወይ ሕብረተሰባዊ ኣቃውማ ኣሎና ክትብል ምፍታን ነብስኻ ምዕሻው ኢዩ ። ንስኻ ካልእ ኢኻ። ንሶም ካልኦት ኢዮም ።
እቲ ዝኸፍአን ዕባራ መገድን ኣታሓሳስባን ዝሪኤሉ ግን !!!!!!
ኣብ መንጎ ሓደ መሰረታዊ መቀይሮ ክፈጥር ኢየ ብምባል ምስ ታሪኽን ኣቃውማን ሕብረተሰብ ብምርጻም ኣብ ሃስያ ዜጋታት ተሓቢኡ ንቃልስን ወፍርን ወለዶታት ከም ትርጉም ኣልቦ ብምድፋን ኣብቲ ሎሚ ዘሰቅቆም ኣባይ ዝፈጠሮ ሽግራት ተኾርኒዑ ግደ ኣቦታቶም ብምሕዳግ ልብሶምን ቃልሶምን ዘሕፍሮም ኮይኖም ክላ ንሕና እኮ ድርባያት ኢና ንዝብል ዘውደቆም ጎስጋስ ዝምግብ !
ኣብ መንጎ እቶም ንሕና መሰረታዊ ኣቃውማናን ቃልስናን ውጽዓናን ንጹር ኢዩ ዝብሉ ፡ ሽግሮም ብፖለቲካዊ መንጸር ኣለልዮም ንሕግን ፍትሕን ዘናድዩ ብሓንሳብ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ናብ መዲያ ብምምጻእ ትግርኝኦም ክድርብዩ ክርኢ ከለኹ ። ትስሕቅ ግን ድማ ውሽጥኻ ንብዓት ወዲኡስ ደም ይነዝዕ ።
እዚ ካብቲ ማራ ፖለቲካዊ ንቅሓትን ዲሞክራስያዊ ኣገባባትን በጺሕናዮ ብምባል ክግለጽሉ ዝፍትኑ ኣገባብ ምኻኑ ኢዩ ።
ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣካላት እዚኦም መሰረታዊ ፍልልይ ድኣ እምበር ፖለቲካዊ ፍልልይ የለን ። እዞም ኣካላት እዚኦም ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ክፈትሕዎ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ሽግር ዘይኮነስ ናይ ስዒሩ ሓሳቡ ዘውሕጥ ክልተ ኣንጻር ተጻረርቲ ሓሳባት ተሰከሙ ኣካላት ኢዮም ። መን ግን ይስማዕ በጃኩም በጃኹም ስምዑና እኮ እንተዘይበልና ተኻታተልዎን ኣስተውዕሉን ።
እዞም ክልተ ኣካላት እዚኦም ሕጊ ክዳንዮም ኣይክእልን ኢዩ ። ከመይስ መሰረታዊ ስምምዕ የብሎምን ። ናይ ሓባር ዝቅይዶም ታሪኽ ይኹን ኣቃውማ የብሎምን ።
ስለዚ ናይ መን ስዓረ ከይዲ ኢዩ ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ድማ እቲ ምስ ካልኦት ብምሽራኽ ለውጢ ኣብ ምፍጣር ዝረኣዮም ኩነት ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዝኽእል ሓደጋ ግምት ዘይህብዎ ። መን ይመውት መን ይህሰ መን ይሳቀ ጉዳዮም ኣይኮነን ። ጉዳዮም መን ይስዕር ኢዩ ። ክትስዕር ምስ ዝወፈረን ሓይሊ ኣለዎ ትብሎን ምምስሳል ኢዩ ። ኣብዚ እንታይ ዓይነት ግደን ሓይልን ክህልዎም ኢዩ ውን ንጸር ኣፍልጦ ኣየድልዮምን ኢዩ ። ዝህብዎ ጎስጋስ ጸላኢና ዝብልዎ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ድኣ እምበር ናትና ንዝብልዎ ዘበለ ብኸመይ ይውንንዎን ንምውናኑ እንታይ ዓይነት ሓይልን ምዕሩይነትን የድሊ ኣየገድሶምን ኢዩ ። ስለዚ እቲ ጎይላ በሎ ምስ ዝብል ዘሎ ኣዐሚርካ ጸላእየይ ትብሎ ዘህድም ድኣ እምበር መን ይመጽእ ዝምልስ ሓሳብ የብሉን ። እዚ ጽልኢ ይብሃል ። እዚ ምስ ፖለቲካ ይኹን ናይ ውጹዓት ቃልሲ ምትሕሓዝ ይኹን ምትእስሳር የብሉን። ብዙሕ ብኻልእ ክትገልጾ ዝክኣል ኣቃውማ ኢዩ ።
ብዝኾነ እዚ ዓይነት ኣታሓሳስባታት ዘለዎም ዜጋታት ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ ምስ ከማይ ዝዓይነቶም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ክትህልዎ ዘሎ ተኽእሎ ከቢድ ይኸውን። ስለዚ ኢዩ ናይ ሰዓርትን ተሳዓርትን ንጹር ዘይተኣወጀ ኩናት ዝጽበየና ።
ቃልሰይ እታ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብኩራት ዝበዝሓ ኤርትራ ስለ ዝኾነት ኢዩ ። ነዚ ብኩራት እዚ ንጹር ሕጋዊ መልሲ ረኺብካ ጽባሕ ብስሩዕ ኣጋባብ ትወፍረሉ መገዲ ብምፍጣር ንብኩራታ ናብ ንቡር ብምምላስ ምሉእ ዙረት ትፈጥረሉ ማእከል ሕብረተሰብ ኤርትራውያን ኮይና ክትቅጽል ምግባር ኢዩ ። ተዘይኮይኑ ንቡኩራታ ከም ምኽንያት ብምጥቃም ካልእ ሕብረትሰባዊ ስርዓትን ስምዒትን ብምፍጣር ኣብ ካልእ ኣሃዳዊ ቅልስ ንምእታዋ ኣይኮነን ።
እቲ ድሕሪ ኢሰያስ ዝመጽእ እቲ ካብ ኢሰያስ ዝኸፍእ ክኸውን ግድን ኢዩ ።ሎሚ ከቢድ ሕሰም ብዓይኑ እና ረኣየ ህሉው ኩነታት ተገንዚቡ ጽባሕ በዚ ስእሊ እዚ ኣቀሚጡ ዝኸፍአ ዝረኣዮ ግን ውሑድ ኣእምሮ ጥራይ ኢዩ ።
ኣብ ሓደ ዝቅለስ ሃገራዊ ስምዒትን ንጹር ሕብረተሰባዊ ኣቃውማን ዘለዎ ሃገር ለውጢ ኣገዳሲ ባእታ ኢዩ ። መሪሕ ስልጣኒኦም ኮይኑ ድማ ብልጽግና ይፈጥር ።
ከም ሕብረተሰብ ነዚ ክንፈጥር ሙለእ ዓቅምን ሓይልን ከምኡ ውን ወኒ ዘበርኽ ታሪኻውን ሕሉፍ ቃልስን ኣቃውማን ዘለና ሕብረትሰብ ኢና ። እንተኾነ ውጽዓና ኣብ ወፍሪ ታሪኽ ሕብረተሰብ ተሃንደሰ ጽልኢ ተኾርኒዑ ካልእ ኣቃውማ ክፈጥር ዝጻዓር ኣብ ምኻን ከባላልዐና ምኻኑ ፍሉጥን ንጽበዮን ኢዩ ።
ኤርትራ ጽባሕ ምስዚኦም ኣታሓሳስባታት እዚኦም ዝዳንያ ሕጊ ክትፈጥር ዝሓስብ እንተሎ ዝዓበደ ኢዩ ። ሕጊ ዝዳንዮ ሓሳብ ኣይኮነን ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ እቲ ህዝቢ ተሳተፎ ዲክታተር ዝጎሓፎ ቅዋም ስምዒት ዘይህቦም ። በዚ ዝዳነ ሓሳብ ኣይኮነን ኣብ ርእሶም ኤርትራ ናይቶም ክስዕሩ ዝወፈሩን ዝደልዩ ዘለዉን ሃገር ኢያ ። ነዚ ብጽቡቅ ምርኣዩን ምርድኡን ከድሊ ኢዩ ።
ጽባሕ ኤርትራ ምስ መን ኢና ክንነብራ ዝብል ሕቶ ኣሸጋሪ ሕቶ ክኸውን ኣይግብኦን ኢዩ ። ኮይኑ ግን ኣሎ ። እዚ ኢዩ ድማ እቲ ጽባሕ ካብ ኢሰያስ ዝኸፍእ ካልእ ኣቃውማ ዝፈጥር ።
ኢሰያስ ሎሚ ፖለቲላዊ ሓሳቦም ከይቅበል ብምንጻግ ዝኣሰሮም ውልቀ ሰባትን ፖለቲካዊ ውድባት ከይህልዋ ዝሞቅሖ ሕግን ኢዩ ዘሎ ። ጽባሕ ኣብ ለውጢ ግን እዞም ንሕብረተሰብ ከምኡ ውን ስድራቤታት ዓሌት ብሄር ወዘተረፈ ብምሕዋስ ንታሪኹን ቃልሱን ሕብረተሰባዊ ኣቃውምኡምን ዘነውሩ ዘለዉ ውዱባት ይኹኑ ውልቀሰባት ናይ ብሓቂ ካብ ኢሰያስ ዝሕይሽ ምሕደራዊ ኣቃውማ ክፈጥርሉ ድዮም ? በንጻሩ ንሶም ተሳዒሮም ንዕኦምን ስድራቤታቶምን ከም ኢሰያያስ መድረኽ ብምኽላእ ጥራይ ክጻረፉን ከነውሩን ዘፍቅድ ኮይኑ ኽቅጽል ድዩ ?
በሉ ኣብ ለውጢ !!!!!!!
እቲ ድሕሪ ኢሰያስ ዝመጽእ እቲ ካብ ኢሰያስ ዝኸፍእ ክኸውን ግድን ኢዩ ።ሎሚ ከቢድ ሕሰም ብዓይኑ እና ረኣየ ህሉው ኩነታት ተገንዚቡ ጽባሕ በዚ ስእሊ እዚ ኣቀሚጡ ዝኸፍአ ዝረኣዮ ግን ውሑድ ኣእምሮ ጥራይ ኢዩ ።
ርሑስ በዓል ቅንያት ኤርትራዊት ሃገር ።
Dejen alex