back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤውሮጳ ንውሕስነት ጸዓት ናብ ኣፍሪቃ ተቋምት

ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ሩስያ ዘእትዎኦ ዝነበራ ጋዝ ንምንካይ ስጉምቲ ኣብ ዝወስዳሉ ዘለዋ እዋን፡ መራሕቲ ናይቲ ኣህጉር፡ ንኣማራጺ ቀረብ ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ የቃሙቱ ከምዘለው ተሓቢሩ።
በዚ መሰረት ምስ ኣልጀርያ፡ ኣንጎላ፡ ኮንጎ፡ ናይጀርያን ውዕል ክፍረም ከሎ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ውዑላት ምኽታም መስርሕ ይካየድ ከምዘሎ ይሕበር።
ኣብዚ ሰሙን ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሶል ንቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ናብ ሰኔጋል ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ሃገሩ ንኤውሮጳ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምቕራብ “ንስራሕ ድለውቲ” ምዃና ክገልጽ ከሎ “ንተሳትፎና ዝሓሸ ኩነታትን ክፍጠር፡ ካብ ብመሻረኽትና ዝወሃብ ደገፍ ዝሓሸ ደገፍ ክግበረልና ኣለዎ” ክብል ንቻንስለር ጀርመን ጠለቡ ኣቕሪቡ።

ሰኔጋል ምስ ማውሪታኒያ ኣብ ዘዳውባ ክፋል ግዝኣታ ገዚፍ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ከምዘለዋ ይእመን።

ብ ኤውሮጳውያን ንጸዓት ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ተገዳሳነት፡ ንዓመታት ብትሑት ዋጋ ንዘቕርቡ ዝነበሩ ኣፍረይቲ ድማ ጽቡቕ ብስራት ከምዝኾነ ይንገር።
እንተኾነ ግን ብዘይካ ኣልጀርያ ብዙሓት ብነዳዲ ሃብታማት ዝዀና ሃገራት ናይ ዓቕሚ ጸገማት ከምዘለወንን ጠለብ ኣውሮጳ ድማ ብቐሊሉ ከዕግባ ከምዘይክእላን ይሕበር።

ኤውሮጳ ቀረብ ጸዓት ንምርካብ ኣብ ትጓየየሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ፕሮጀክታት ምዕዳን ፎሲል ፊዩል ብኤውሮጳ ዝተነብረ እገዳ ዝለዓል እንተ ዀይኑ ሕቶታት ይቐርብ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ወላ እኳ ብለበዳ ኮርናን በቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተወለዐ ግጭትን፡ ንሱ ዘኸተሎ እገዳን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብተን ናይ መጀመርታ ትሽዓተ ኣዋርሕ 2.4 ቢልዮን ዶላር ቐጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ከምዘውሓሰት ሃገራዊ ትካል ወፍሪ እታ ሃገር ክሕብር ከሎ፡ መብዛሕትኡ እቲ ወፍሪ ኣብ ምህርቲ ከምዝተዋፈረ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን፡ ኣብ ብዙሕ ቀረባትን ቁጠባን ርኡይ ሃስያ የውርድ ከምዘሎ፡ ብዙሓት ይሕብሩ።

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles