back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ክልተ ዝጠመተ ክልቲኡ ይስእን

ሰላምታ ከነቐድም ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ፡

መቸም ንሕና ደቂ ሰባት ብዙሕ ነገር ዘድልየናን ብዙሕ ነገራት ንደሊ ክንከውን ባህርያዊ ኢዩ ። እንተኾነ ግን ትደልዮን ዘድልየካን ዘይምፍላጥ ዝዓበየ ጸገም ደቂ ሰባት ኢዩ ።

ንኹሉ ከተማልእ ኣብ ኩሉ ክትሳተፍ ምድላይ ኣዝዩ ጎዳእን ዓንቃፍን ባህሪ ምዃኑ እንተተረድእካ ብዘይ ምግናን ፍርቂ ናይ ዘለካ ሽግራት መፍትሒ ረኺብካ ከምዘለኻ ተረድእ ። ብልክዕ ዓቕምኻ ዝፈቕዶን ንስኻ እትኽእሎም ምብርካትን ካባኻ ዝሕተት ምምላእን ዘይጽላእ ጽቡቕ ነገር እኳ እንተኾነ ብዝበለጸ ግን ግዜን ቦታን ሂብካ እትሰርሖ ስራሕ እዩ ዕዉት ዝኸውን ።

እዚ ማለት ግን ኩልኻ ከም ጻጸ ኣብ ሓንቲ ተር በል ማለት ኣይኮነን ። ከመይ ማለት ንዝብል ሕቶ ወይ ድማ ከመይ ዝብል ለባም ከምዝብልዎ ቀዳሞት ለባማት ንኹሉ ተመልኪትካ ኣየናይ ቀዳማይ ይስራዕ ወይ እውን ኣየናይ ኢዩ ናይ ቀዳማይ ቀዳማይ ኢልካ ትኩረት ብምሃብ እንተሰሪሕካ ኩሉ ነገራት ጽፉፍን ድሙዕን ኢዩ ዝኾነልካ ።

ከምዚ ምግባርና ድማ ብዙሕ ነገራት ኢና ነቃልል ወይ ነሳልጥ ። ናይ ስራሕን ግዜን መቐሎ ክትገብር ይሕግዘካ ። ግዜ ትቑጥብ ። ዓቑሚ ኣይተባኽንን ። ግዜን ዓቕምን ኣብ ግቡእ መዓላኦም ይውዕሉ ።ስራሕ ወይ ሽቶ ብኣድማዕነት ይሳለጡ ። ብዘይ ትርጉም ዝባኽን ግዜን ጉልበትን ከተድሕን ይሕግዘካ ።

ዓቕምታትካ ክትመዝን ተወዳዳርነት ክመጽእ ይሕግዝ ። ኣበይ ዝያዳ ተድምዕ ትፈልጥ ። መን ኣበይ የድምዕ ክትፈልጥ ዕድል ትረክብ ። ነቲ ግዜኡን ጉልበቱን ፍልጠቱን ሂቡ ዝዓዩ ካብ ስራሕ ኣይትዕንቅፎን ። ናይ ስራሕ ብኩራትን ናይ ዓቑሚ ሕጽረትን ከተለሊ ይሕግዘካ ። ብቐረባ ስራሕ ክተማሓይሽን ድኽመታትካ ከተዐርን ይሕግዘካ ።

ንሓደ ነገር ወይ ሓደ መደብ ከተዐውት ነቲ ክተዐውት ውጥን ወይ መደብ እንተለካ ብዙሕ ምጥማት ወጊድካ ነቲ ከተዐውቶ እትደሊ ሸቶ ወይ ታርጌት ዝያዳ ብምጥማት ነቲ ካልእ ተወሳኺ ወይ ተደራቢ መደብ ወይ ውጥን ሸለል ብምባል ቀንዲ ኣተኩሮኻ ናብቲ ቀንዲ ጠመተኻ ብምትኳር እቲ እትደልዮ ዘለኻ ሸቶ ዘይተዐውተሉ ምኽንያት የለን ።

ዝኾነ ስራሕ ወይ ድማ ወፍሪ ቅድሚ መኽሰቡ ወይ ኣታዊ ምሃቡ ወጻኢ ጥራይ ኢዩ ዝሓተካ ወይ እውን ከተውጽእ ጥራይ ኢኻ እትግደድ ። እዚ ማለት ዝኾነ ስራሕ ቅድሚ መኽሰብ ወይ ኣታዊ ምሃቡ ወጻኢ ባጀት ኢዩ ዝሓተካ ። ሰሪሕካ ዋጋ ጻማ ራሃጽካ ክትረክብ ናይ ድኻምካ ዓስቢ ክትሓፍስ ኢኻ ጉልበትካን ፍልጠትካን ንዋትካን እተፍስስ ።

እዚ ድማ ክንዮ እቲ መዓልታዊ እትደኽሞን እትጾሮን ውጽኢት ስራሕካ ኩሉ ዘውጻእካዮ ወጻኢ፣ ገንዘብን፣ ጉልበትን፣ ፍልጠትን፣ ክእለትን፣ ኮታ ኩሉ ወጻኢታትካ ሸፊንካ ትርፊ ወይ መኽሰብ ክትረክብ ዕቤት ከተመዝግብ ዓወት ክትጓናጸፍ ኢኻ እትሰርሕ ። በዚ ምኽንያት ክልተ ዓይነት ዕቤት ወይ ዓወት ኣለዉ ። እዞም ዕቤታት ወይ ድማ ዓወታት ብሓደ ክኸድሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ ።

ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ንሓዲኡ መሪጽካ ቀዳምነት ብምስራዕ ነቲ ዝያዳ ተድምዓሉን ወይ ድማ ዝያዳ ቀዳምነት ክስራዕ ዝግብኦ ዕዮ ትዓዩ ። ብዝተፋላለዩ ሰባት ዝተፋላለየ ኣጠማምታ ወይ ግንዛበ ክህልወና ባህርያዊ ኢዩ ። እዚ ድማ ጸጋ እምበር ሓጥያት ኣይኮነን ። እዚ ብምባል ናብቲ ክብሎ ዝደለኹ ቀንዲ ጉዳይ ህሉው ኩነታትና ክምለስ ።

ብልክዕ ዘለናዮ ሃለዋት ዘይንቡር ኣተሃላልዋ ኢዩ ። እዚ እንነብሮ መነባብሮ ኩልና ከከም ዝመስለናን ዝጥዕመናን እንተገልጽናዪ ነቲ ሓቀኛ ሂይወት መነባብሮና ክንሽፍኖ ዝካኣል ኣይኮነን ። በቲ ሸፍን በቲ ከውል እቲ ሓቂ ባዕሉ እዩ ዝግለጽ ። ወዲ ሰብ ዝያዳ ካልኦት ፍጡራት ፍሉይ ዝገብሮ ሰብኣዊ ክብሪ ዘድልዮ ክብሩ ሓልዩ ክብሪ ካልኦት ክሕሉ ዝግብኦ ክብሩ ፈሊጡ ክብሪ ካልኦት ከኽብር ዝግብኦ ክቡር ፍጥረት ምዃኑ ንኹልና ዘካትዕ ኣይኮነን ።

በዚ መስረት ወዲ ሰብ ደፋእፋእ ኢሉ ዝሰርሕ ዝሓሸ ናብራ ክመርሕ ጣዕሚ ሂይወት ከስተማቕር ብሰላም ውዒሉ ብሰላም ክሓድር ብሰላም ወፊሩ ብሰላም ክምለስ ኮታ ኩሉ ግዜ ብሰላም ሰላም ዘለዎ ሂይወት ክነብር እቲ ካልእ ምርጫ ዘይብሉ ዝበለጸ መስርሕ ሂይውት ወዲ ሰብ ኢዩ ። እዚ እንተኾይኑ ሂይወት ወዲ ሰብ ሰላም ክደሊ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቒሱ እቲ ቀዲሙ ዝፈልጦ ቦታ ወይ መሬት ለቒቑ ኣብቲ ሰላም ኣለዎ ኢሉ ዝኣምነሉ ቦታ ምስበጽሐ እውን ርጉእ ሂይወት ኣይመርሕን ።

ንዝተወሰነ እዋን ጽቡቕ ክዳንን ጫማን ተኸዲንካ ጥዑም መግቢ ምብላዕ ደስ ኢልካ ንግዜኡ ናይ ሓሶት ጣዕሚ ኣታሊልካ ብዙሕ እንተበልካን እንተመደርካን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ እዚ ንዓኻ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን እሞ ዘረባ ኣለና ኣብ ደገ ጽናሕ ምስ በሉኻ ንስኻ መን ምኻንካ ክትፈልጥ እትሓቶ ኣካል እንተለካ እታ ባዕልኻ ዘታለልካያ ሕልናኻ ባዕላ ክትምጉተካ ኢያ ።

እወ ሽዑ ፡ ኩሉ እቲ ሓቂ ክበርሃልካ ኢዩ ። እዚ ኩሉ ናይ ብሕሶት ጣዕሚ ምዃኑ ምስተሰወጠካ ልክዕ ከምዛ ኣብ ገንቢ ደቂስካ ተንከራሩ ዘለኻ ኮይኑ ምስተሰመዐካ ብሕልናኻ እንሳተውቐስካ ፈራዲ ዘይብሉ ምጉት ምስ ሕልናኻ እንዳተራጸምካ ብዝፈጸምካዮ ጌጋ እንዳተጣዓስካ ምንባር ኢዩ ። እወ፣ እቲ ቅድም ቁሩብ ገንዘብ ክሕዝ ክትብል ድቃስ ዘይብሉ ሃረምረም ኢልካ ዘጥረኻዮ ገንዘብ ድማ ገዛ ክገዝእ፣ መኪና ክቕይር፣ ትካል ክኸፍት ቁሩብ ክውስኽ ክትብል ነብሰኽብርካ ሸይጥካ ዝነበር ሕሱር ናብራ ትነብር ።

እወ፣ እቲ ኣብ መጀመርታ ክኽወን ክስራዕን ዝግብኦ ሰብኣዊ ክብርኻ ድሕሪት ሰሪዕካ ብዋጋ ዘይትመን ሸይጥካዮ ዝጸናሕካ ሰብኣዊ ክብርኻ ፡ ማዕረክንደይ ክቡር ምዃኑ ምስተረዳኣካ፣ ቅድሚት ክትሰርዖ እንተብልካ እቲ ኣብ ንቡር ቦትኡ ስይዘይጸንሐ ብሓደ ግዜ ዝትከል ወይ ዝመለስ ኣይኮነን ። እቲ ክትውንኖ እትደሊ ዘደለኻ ኣቐድም ኣቢልካ ብግጉይ ርድኢት ሓሽሽካዮ ዝጸናሕካ ሰብኣዊ ክብርኻ ናብ ንቡር ቦትኡ ክትመልሶ ክቡር ዋጋ ክሓተካ ኢዩ ።

እቲ ኩሉ ዘጥረኻ ሓንጨመንጪ ትርጉም ብዘይብሉ ዋጋ ንኽብርኻ ክትብል ዘይከምቲ ዝገዛእካዮ ዋጋ ብሕሰር ክትድርብዮ ኢኻ ። ሽዑ ኣብ መንጎ ክልተ ነገር ተቐርቒርካ እትመርጾ ክሳብ ዝጠፋኣካ ሞራልካ ዝፈታተን ሓደ ዓቢ ምርጫ ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ይጽበየካ ኣሎ ። ክብረት ዶ ውርደት ፧ ሕጂ እውን እቲ ምርጫ ንዓኻ ኢዩ ዝምልከት ።

ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም ።
ሓርነትና ናይ ግድን ኢዩ !!

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles