ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኤርትራ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎን፡ ስርዓት ህግደፍ ንዜጋታት ብረት ይዕድሎም ከምዘሎን ምንጭታት ሰቲት ካብ ኤርትራ ኣብሪሆም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፡ ኣብ ትምህርቲ ዘየለውን፡ ካብ ውትህደርና ኮብሊሎም ኣብ ዓዶም ዝጸንሑን ዜጋታት መጸዋዕታ ከምዝተገብረሎምን፡ ብመሰረት እቲ መጸዋዕታ እንተ ዘይተረኺቦም ወለዶምን ኣንስቶምን ይሕየሩ ከምዘለዉን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ወለዶምን ኣንስቶምን ዝተኣስሩ ዜጋታት፡ ንስለ ቤተሰቦም ክብሉ ይኸቱ ከምዘለው እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ትግራይ ህዝባዊ ሰሚናራት ብምክያድ፡ ህዝቢ ንወሳኒ ግጥም ክዳሎ ይጽውዑ ምህላዎም ኣብ ትግራይ ማዕከን ሓበሬታት ክመሓላለፍ ምቅናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ፈተለወርቅን ኣለም ገብረዋህድን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሓለፍቲ ህወሓት፡ ህዝቢ ንኩለንትናዊ ምድላዋት ክገብር ዝጉስጉስ ሓበሬታት ክወጹ ምቅናዮም ይሕበር። እዚ ምልክታት እዚ ኣብ ከባቢ ዶባትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ትግራይ ከቢድ ኲናት ከየጋጥም ስግኣት ኣሕዲሩ ምህላዉ ይጥቀስ።
ኣብዚ ሓለፈ 8 ግንቦት ኣብ መንጎ ዕጡቓት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ኲናት ከምዝተኻየደ ጸብጺብና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ገለ ማዕከናት ሓበሬታ ኢትዮጵያ ብዝዘርግሕዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ናብ ዕለት 12 ግንቦት ኣብ ዘወግሐ ለይቲ፡ ብወገን ትግራይ ናብ ዶባት ኤርትራ ከቢድ ብሬት ክትኮስ ከምዝሓደረ ክሕብሩ ከለዉ፡ ብወገን ኤርትራ ነዚ ኣመልኪትና ሓበሬታ ክንረክብ ኡኳ ተፈተና ክሰልጥ ግን ኣይክኣለን።
ብተወሳኺ ናብ 12 ግንቦት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ብሰፊሕ ቦታታት ምዕራባዊ ትግራይ ኲናት ተባሪዑ ምህላዉ ይሕበር ኣሎ። ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ከቢድ ንዋታውን ሰብኣውን ክሳራ ከምዘስዓበ ይፍለጥ።