ሰንበት, ጥቅምቲ 26, 2025

ኣብ ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ዝነበሩ ሞኖኮሳት ተኣሲሮም

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ገዳም ደብረ-ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ዝነበሩ ሓሙሽተ መንኮሳት ከምዝተኣስሩ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር፡ ሃገረ ስብከት መስሪቶም ዝርከቡ ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዘውጽእዎ ሓቢሮም።

እቶም ኣቦታት በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ምስያም ሓድሽ ሓሙሻይ ፓትርያሪክ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ዝነበሮም ተቋውሞ ከምዝተኣስሩን፡ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዝኣተዉ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ሓቢሮም። መምህር ዑንቀ-ብርሃን ተወልደ፡ ኣባ የማነ ብርሃን፡ ኣባ ተኽለብርሃን፡ ኣባ ኣብርሃምን ኣባ ዮናስ ዝተባህሉ ኣቦታት ምዃኖም ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ብተወሳኺ ብድሕሪኦም ስሞም ዘይተጠቅሰ ሞኖኮስ ከምዝተኣስሩ ኣፍሊጦም።

ንዝሓለፈ 17 ዓመት ኣብ ከቢድ ሽግር ተሸሚማ እትርከብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዘለዋ ሽግራት፡ ብዙሓት ሞኖኮሳት ኣብ ቤትማእሰርቲ ክኣትዉ ምጽንሖም ይፍለጥ። ን16 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሑ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣባ ኣንጠንዮስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝዓረፉ ይዝከር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ