ሰሉስ, ጥቅምቲ 28, 2025

ቢንያም ግርማይ ሎሚ’ውን ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

ብሰፋሕቲ ጎላጉል ዝተዓብለለ ኣስታት 192 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሻድሻይ መድረኽ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ ቢንያም ግርማይ፡ ንከምበዓል ንስሙይን ፍሉጥ ቦላቲስታን ማርክ ካቫንድሽ፡ ዲማረን ብምስዓብ፡ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ራብዓይ ብምውጻእ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ኣብዚ ንፈለማ ግዚኡ ዝወዳደረሉ ዘሎ፡ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ዓለምና ዝኾነ ጂሮዲ ኢታሊ፡ ቢንያም ግርማይ ኣዝዩ ዘደንቅ ብቅዓት የመዝግብ ከምዘሎ ይሕበር።

ኣብዚ ውድድር ቢንያም ግርማይ ብድምር ነጥቢ ን ዲማረ ስዒቡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሓፈሻዊ ግዜ ድማ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,895FansLike
1,037FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት