ኣብ ሓምለ 2018 ከም መቐጸልታ ናይ ሶይራ ምክፍፋል መጻሕፍቲ ኮይና ዝተመስረተት ሰማያት ምክፍፋል መጻሕፍቲ (Semayat bookstore) ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝወሃብ ስልማት SEA AWARD (Setit Excellence award) ተሰሊማ።
ትካል ሰማያት ምክፍፋል መጻሕፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ጀሚሩ ኣስታት 15 ሽሕ ዝብዝሖም መጻሕፍቲ ብዓይነቶም ኣስታት 300 ዝኾኑ ብምክፍፋልን ኣስታት 23 ናይ ዝተፈላለዩ ጸሓፍትን ደረስትን መጻሕፍቲ ብምሕታምን፡ ኣብ ምዕባይ ባህሊ ንባብ ኣዝዩ ዓቢ ኣበርክቶ ምግባራ ይፍለጥ። ናይ ኤርትራውያን መጻሕፍቲ ንምግዛእ ኣሸጋሪ ኮይኑን ብፍላይ ድማ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተባዚሖም ክሽየጡ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰማያት ምክፍፋል መጻሕፍቲ ኣብ ምቅላል ኣገባብ ምዝርጋሕን፡ ከምኡ’ውን
ሕጋውነት ሕትመትን ኣዝዩ ሓጋዚ ምህላዉ ይሕበር።
ሰማያት ምክፍፋል መጻሕፍቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዝፈጠሮ ጽልዋ ኣብ ኣንበብቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ኣብ ምኽፋት ብዙሓት ትካላት ኣከፋፈልቲ መጻሕፍቲ ዝነበራ ጽልዋ ዓቢ ምዃኑን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት ዓሰርተ ዝኾና ናይ ምክፍፋል መጻሕፍቲ ትካላት ተመስሪተን ምህላወን ይፍለጥ።
SEA AWARD ኣብ 2020 ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ንምትብባዕ ዝወሃብ ስለማት ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ስልማት ንስነጥበበኛ ዮውሃንስ ትካቦ(ወዲ ትካቦ) ከምዝተሰለመ ይዝከር።