ሰሉስ, ሚያዝያ 29, 2025

ኣጎልጐሎት ተመለስቲ ስደተኛታት ምስ ወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለም-ዋጭ ተራኺቡ

ኣጎልጐሎት ምምላስ ስደተኛታት(RSS) ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ንጠለብ ህጹጽ ቀረብ ን ኣብ ኣለም-ዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ንምውሓስ ይጽዕር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ካብ ኣጎልጐሎት ምምላስ ስተደኛታትን(RSS) ን ላዕለዋይ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያን( UNHCR) ካልኦት መሻርኽትን ዝርከብዎ ጉጅለ ኣብ ደባት ዝርከብ ኣለም-ዋጭ መዓስከር ስደተኛታት ብምብጻሕ ነቶም ብዋሕዚ ናብቲ መዓስከር ዝመጹ ዘለዉ ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ምስልሳል ዝምልከት ዘትዮም።
ብመሰረት ኣብ ሞንጎ እዛ ጉጅለን፣ ምሕደራ’ቲ ከባብን ከምኡ’ውን ማሕበረኮም ናይቲ ቦታን ዝተኻየደ ዝርርብ፣ ንሓደስቲ ናብቲ ማዓስከር ዝመጹ ዘለዉ ስደተኛታት ግዝያዊ ህጹጽ መዕቆቢ ቦታ ክህነጽ ተሰማሚዖም።

በመሰረት ዳይረክተር ኣገልግሎት ምምላስ ሰደተኛታት ሙሉእኣለም ደስታ፣ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ክፋል ሰፊሕ ልምዓታዊ መደብ ናይቲ ከባቢ ማሕበረ-ኮም ምኻኑን ብተወሳኺ ገሊጹ። እቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ድማ ሃናጽን ኣእንጋዲት ሃገርን ስደተኛታት ብሰላም ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ተመርኩሶም ክነብሩ ዝኽእል ዝርርብ ክብል ገሊጽዎ።

ካብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ሃዲሞም ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣለም-ዋጭ መዓስከር ስደተኛታት ሰብኣዊ ቁልዉላውን ጸጥታዊ ሽግራት ኣጋጢምዎም ምህላዉ ዝሓለፈ ሰሙናት ምግላጹ ይዝከር።

SETIT
SETIThttps://www.setit.org
Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned Professionals are dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
23,400SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ