ኣጎልጐሎት ምምላስ ስደተኛታት(RSS) ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ንጠለብ ህጹጽ ቀረብ ን ኣብ ኣለም-ዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ንምውሓስ ይጽዕር ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ካብ ኣጎልጐሎት ምምላስ ስተደኛታትን(RSS) ን ላዕለዋይ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያን( UNHCR) ካልኦት መሻርኽትን ዝርከብዎ ጉጅለ ኣብ ደባት ዝርከብ ኣለም-ዋጭ መዓስከር ስደተኛታት ብምብጻሕ ነቶም ብዋሕዚ ናብቲ መዓስከር ዝመጹ ዘለዉ ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ምስልሳል ዝምልከት ዘትዮም።
ብመሰረት ኣብ ሞንጎ እዛ ጉጅለን፣ ምሕደራ’ቲ ከባብን ከምኡ’ውን ማሕበረኮም ናይቲ ቦታን ዝተኻየደ ዝርርብ፣ ንሓደስቲ ናብቲ ማዓስከር ዝመጹ ዘለዉ ስደተኛታት ግዝያዊ ህጹጽ መዕቆቢ ቦታ ክህነጽ ተሰማሚዖም።
በመሰረት ዳይረክተር ኣገልግሎት ምምላስ ሰደተኛታት ሙሉእኣለም ደስታ፣ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ክፋል ሰፊሕ ልምዓታዊ መደብ ናይቲ ከባቢ ማሕበረ-ኮም ምኻኑን ብተወሳኺ ገሊጹ። እቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ድማ ሃናጽን ኣእንጋዲት ሃገርን ስደተኛታት ብሰላም ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ተመርኩሶም ክነብሩ ዝኽእል ዝርርብ ክብል ገሊጽዎ።
ካብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ሃዲሞም ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣለም-ዋጭ መዓስከር ስደተኛታት ሰብኣዊ ቁልዉላውን ጸጥታዊ ሽግራት ኣጋጢምዎም ምህላዉ ዝሓለፈ ሰሙናት ምግላጹ ይዝከር።