ብዓርቢ 15 ሚያዝያ ብውሑዱ ኣስታት 35 ስደተኛታት፡ እታ ተሳፊሮምላ ዝነበሩ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ዝመቱን ሃለዋቶምን ዘይተፈልጡን ከምዝኾኑን፡ ካብ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ማዕከናት ዜናታት ዓለም ጸብጺበን።
እቲ ሓደጋ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ትርከብ ከተማ ስብራታ ከምዘጋጠመ እቲ ዜና ይሕብር፣ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሬሳ ሽድሽተ ግዳያት ክረክብ ከሎ 29 ስደተኛታት ግና ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ኣፍሊጡ።
እዚ ብዓርቢ 15 ሚያዝያ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብታ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝኾነ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ገሊጹ።
ብሰሉስ 12 ሚያዝያ ኣብ ጥቃ ከተማ ሶርማን ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 2 ስደተኛታት ከምዝደሓኑን፡ 18 ስደተኛታት ድማ ከምዝሞቱን ብተወሳኺ ተፈሊጡ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋታት ምጥሓል ጀላቡ ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ህይወቶም ክስእኑ ምጽንሖም ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ስድራቤታት ኤርትራ ከቢድ ስምብራት ዝገደፈ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ህይወት ከምዝሰኣኑ ይፍለጥ።