ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሶማልያ ን ኣስታት 15 ዓመት ከም ዓቃብ-ሰላም ተዋፊሩ ንዘሎ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ ብ ኣሚሶም(AMISOM) ወተሃደራት ዓቃብ-ሰላም፡ ናይ ስምን ተልእኾን ለውጢ ብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝቀረበ እማመ ብ ሙሉእ ድምጺ ከምዘጽደቆ ተሓቢሩ።
እዚ ሓዲሽ ስም ኣትሚስ(ATMIS) ክባሃል ከሎ፡ ኣብዚ ሓድሽ ተልኡኹኡ ድማ፡ ኣብ ምስግጋር ጸጥታዊ ኩነታት ሶማል ናብ መንግስቲ ሶማል ዝምለሰሉን ኣብ ልዕሊ ኣልቃዒዳን ኣይሲስን ተገባራዊ ስጉምቲ ንክወስድን ን ዕጡቃት ጉጅለ ዕጥቆም ኣብ ምውራድ ንጥፈታት ንከካይድ ዘኽእሎን እዩ። ብተወሳኺ እዚ ብ ሓድሽ ስምን ተልእኾን ዝተዋቀረ ዓቃብ ሰላም፡ ኣብ ፖለቲካዊ መሰርሕ ሶማል፡ ን ጸጥታዊ ትካላት ሶማል ሓገዝ ክገብር ዘካትት እዩ።
ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዘጽደቆ ውሳነ፡ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሶማል ዝዋፈሩ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ብዝሒ ኣስታት ዓሰርተ ትሽዓተ ሽሕ ከምኡ’ውን፡ ኣስታት ሽሕን ኣርብዓንን ፖሊስ ካብ ዝተፈላየ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምውጻእ ኣብ ሶማል ክዋፈር ከምዝተተለመ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
እዚ ብዝሒ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2022 ክትግበር ዝጥለብ ኮይኑ፡ ኣብ ታሕሳስ 2024 ድማ ሙሉእ ብ ሙሉእ ሓላፍነት ናይ ጸጥታ ሃገረ ሶማል ብመንግስቲ ሶማል ተረኪቡ፡ ዓቃብ ሰላም ካብታ ሃገር ጠቅሊሉ ክውጽእ ዝእምም ውሳነ እዩ።
ኣብ ዓቢ ፖሎቲካዊ ቁርቁስ ኣትያ ዘላ ሶማል፡ ኣብታ ሃገር ኲናት ሓድሕድ ከይፍጠርን ናይ ግብረሽበራ ጥሩፋት ከይበዝሑን ስግኣት ተፈጢሩ ይርከብ።