ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ተዓዋቲ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉእብርሃን ናብ ናይ ፕሮ ሲርየስ ደረጃ ጋንታ ክሰጋገር እዩ

ተቐዳዳማይ ክለብ ባይክ ኤይድን ተዓዋቲ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ናብ ናይ ፕሮ ሲርየስ(pro series) ዝኾነት ጋንታ ክሰጋገር ምዃኑ ጋንትኡ ሓቢራ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ናብ መን ጋንታ ይሰጋገር ምህላዉ ጋንትኡ ኣይሓበረትን።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ክለብ ባይክ አይድ ዝተጸንበረ ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዘንጸባረቆ ዓወትን፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዘርኣዮ ብቅዓትን፡ ጠመተ ዓበይቲ ጋንታት ክረክብ ምኽኣሉ ይፈልጥ።

ፕሮ ሲርየስ(Pro series) ብናይ ዩሲኣይ(UCI) መዕቀኒ ማእከላይ ደረጃ ዘለወን ጋንታት ኮይነን፡ ትሕቲ ዎርልድ ቱርን፡ ልዕሊ ኮንቲነታል ጋንታትን ውድድር ዘካይዳ እየን።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ