ተቐዳዳማይ ክለብ ባይክ ኤይድን ተዓዋቲ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ናብ ናይ ፕሮ ሲርየስ(pro series) ዝኾነት ጋንታ ክሰጋገር ምዃኑ ጋንትኡ ሓቢራ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ናብ መን ጋንታ ይሰጋገር ምህላዉ ጋንትኡ ኣይሓበረትን።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ክለብ ባይክ አይድ ዝተጸንበረ ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዘንጸባረቆ ዓወትን፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዘርኣዮ ብቅዓትን፡ ጠመተ ዓበይቲ ጋንታት ክረክብ ምኽኣሉ ይፈልጥ።
ፕሮ ሲርየስ(Pro series) ብናይ ዩሲኣይ(UCI) መዕቀኒ ማእከላይ ደረጃ ዘለወን ጋንታት ኮይነን፡ ትሕቲ ዎርልድ ቱርን፡ ልዕሊ ኮንቲነታል ጋንታትን ውድድር ዘካይዳ እየን።