back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ቢንያም ግርማይ ኣብ ሓደ ወቅቲ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዩሮ ክኽፈል እዩ

ተዓዋቲ ብሩር ነሓስ መዳልያ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ቻምፕዮን ዓለም 2021 ቤልጁምን፡ ናይ መጀመርታ ተዓዋቲ ኣፍሪቃዊ ኣብ ዎርልድ ቱርን ናይ ክላሲክ ውድድርን ብንያም ግርማይ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ካብ ኤርትራ ምስተመልሰ፡ ናይ ሰለስተ ዕጽፊ ወሰኽ ደሞዝ ይጽበዮ ከምዘሎ፡ ካብ ሳይክሊንግ ኒውስ(cycling news) ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ብ መሰረት ሓበሬታ ሳይክሊንግ ኒውስ(cycling news)፡ ጋንትኡ ኢነትርማቸ ደሞዝ ቢንያም ካብ 300,000 ዩሮ ብ ሰለስተ ዕጽፊ ከምእተዛይዶን ን ብንያም ግርማይ ድማ ካብቶም ቀንዲ ተሰለፍቲ እታ ጋንታ ከምትገብሮ ሓቢራ ትርከብ።

ኢነትርማቸ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብቅዓቱ ብምስትብሃል፡ ካብ ጋንታ ዲልኮ ከምዝዓደገቶን፡ ክሳብ 2024 ዓመተ-ምህረት ዝጸንሕ ውዕል ከምዘፈረመቶ ይፍለጥ።

ኣብ ቤልጂም፡ ኣብ ናይ ኮብል ዎርልድ ቻምፕዮን፡ ቀዳማይ ብምውጽኡን ምስቲ ዘለዎ ቅጽበታዊ ናይ ቮላታ ዓቅሚ ተደሚሩ፡ ሓለቃ ጋንታ እታ ኢነትርማች፡ ን ብንያም ናይ ሰለስተ ዕጽፊ ደሞዝ ምውሳኹ ድሎው ከምዝኾነ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓበይቲ ውድድራት ዎርልድ ቱር፡ ብንያም ግርማይ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይኑ ውድድሩ ክዛዝም ድሕሪ ምቅናይ፡ ሰንበት ኣብ ቤልጂም ዝተገብረ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ታሪኽ ምስርሑ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles