back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ንውጽኢት ዩሲኣይ ኣፍሪቃ(UCI AFRICA) ብሒቶሞ

ንዝሓለፈ ዓመትን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሕን ብብንያም ግርማይ ክምራሕ ዝጸንሐ ወርሓዊ ጸብጻብ፡ ብድምር ነጥቢ ዝመርሑ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ብምስራዕ ብሒቶሞ።

ተቐዳደምቲ ብንያም ግርማይ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮንን መትከል እዮብን፡ ነዚ መስርዕ ክብሕትዎ ከለዉ፡ ሄኖክ ሙሉእብርሃን ድማ ብድምር ነጥቢ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።
ነዚ ድምር ውጽኢት ክመርሖ ዝጸንሐ ቢንያም ግርማይ ብኣዝዩ ሰፊሕ ድምር ነጥቢ ክመርሖም ከሎ፡ ካልኦት ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ድማ መበል 12ን 13ን ደረጃ ሒዞም ይርከቡ።

ኣብዚ ቅንያት ክካየዱ ካብ ዝቀነዩ ውድድራት፡ ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኤርትራውያን ተቐዳደምትን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዝበዝሐ ዓወታት ክትሓፍሶ ከላ፡ ኣብ ዝዓበዩ ውድድራት ዎርልድ ቱር ዝሳተፍ ዘሎ ብንያም ግርማይ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ ግዜ ኣብ ናይ ክላሲክ ውድድራት ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ኮይኑ ታሪኽ ክሰርሕ በቂዑ ይርከብ።

ብካልእ መዳይ ኣማኒኤል ገብረዝግኣብሄር መርሃዊ ቁዱስን፡ ኣብ ስፓኛ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣማኒኤል ገብረዝግኣብሄር ብምውዳቁ ኣብ ሕክምና ከምዝኣተወ ጋንትኡ ምሕባራ ይዝከር። ብተወሳኺ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ተስፎኦም ዑቅባማርያም ቀዳማይ ኮይኑ ምዕዋቱ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles