ውልዶ ተቐዳዳማይ ክለብ ባይክ ኤይድን፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝሳተፍ ዘሎ ሄኖክ ሙሉእብርሃን ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ኮይኑ።
ምስ ናይ ፕሮ ክለብ ባይክ ኤይድ ኣብ ኤውሮጳ ዝጻወት ዘሎ ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ዙር ርዋንዳ ብሉጽ ብቅዓት ካብ ዘርኣዩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ድማ ብገለ ሰከንድታት ተበሊጹ ካልኣይ ደረጃ ምሓዙ ይዝከር።
ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ተስፍኦም ዑቅባማርያም፡ ኣማኒኤል ገብረዝግብሄርን መርሃዊ ቁዱስ ሸውዓተ ግዜ ከምዝተዓወትሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንሆ ድማ ሄኖክ ሙሉእብርሃን ኣሰሮም ስዒቡ ይርከብ።
ሰቲት ንኩሎም ኣብዚ ውድድር ዓወት ዝሓፈሱ ተቐዳደምትን፡ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራን እንቋዕ ሓጎሰኩም ትብል።