ግብረ-ሰናይ ማሕበር ኦክስፋም፡ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ብስፍሓት ዝርአ ዘሎ ጥምየት ሰብኣዊ ቅዝፈት ከኸትል ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቒቑ። ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝረአ ሕጽረት መግቢ ንምሽፋን ካብ ዘድሊ 6 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ 3% ጥራሕ ክርከብ ከምዝኸኣለ ገብረኤላ ቡትቸር ዝተባህለት በዓልቲ ስልጣን ኦክስፋም ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ከምዝሓበረት ኣሶሰይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። እቲ ጸብጻብ ብምቅጻል “ኣብዚ ህሞት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣጀንዳ ዓለም ዘይምሃላዋን፡ ዓለም ድማ ነቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅልውላዋት ሸለል ትብሎ ምህላውን መሪር ሓቂ እዩ” ብምባል “2022 ኣብ ኣጀንዳ ክካተት ብዘይምኽኣኣሉ ክውገድ ብዘይከኣል ጥመየት ኣሸሓት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሞቱላ ክትከውን የብላን” ክትብል ኣጠንቂቓ።
ሃገራት ሶማል፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ካብ 1981 ንደሓር ርእየንኦ ዘይፈልጣ ደረቕ ኩነታት ከምዘለወን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ትሑት መጠን ዝናብ ንኩነታት ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ከጋድድ ከምዝኾነ እቲ ትካል ኣጠንቒቑ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጻላልዎም ከምዘሎ ክፍለጥ ከሎ ጉድለት መኣዛዊ ትሕዝቶ ድማ ኣብቲ ዞባ እንዳለዓለ ከምዝርከብ ይሕበር።