ንመበል 17 ግዜ ዝሰላሰል ዘሎ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሎሚ 23 መጋቢት መጋረጅኡ ኣብ ዝኸፈተሉ ኤርትራ ኣርባዕተ ኣዋርቅ ብምሕፋስ ድሮ ዓባላልነታ ከተርኢ ጀሚራ ኣላ።
እዚ ብናይ ሃገራውያን ጋንታት ናይ ግዜ ውድድር ፈሊሙ ዘሎ ውድድር፡ ኣብ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳመይቲ ኮይና ብምዕዋት ደሚቃ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣስታት 30 ወርቂ፡ 8 ብሩርን 7 ነሓስን ዝወነነት ኤርትራ፡ ንውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብሒታቶ ትርከብ። ኣብዚ ውድድር ኣስታት 20 ተቐዳደምቲ ብምኩራት ኣሰልጠንቲ ሳምሶን ሶሎሙን፡ ዮሴፍ ተኽላይን ዮናስ ዘካርያስን እንተኣልየትያ ውድድራ ዓወታት ክትሓፍ ጀሚራ ዘላ።
ሰቲት ንሙሉእ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ እንቋዕ ሓጎሰና እናብለት፡ ዝቅጽሉ ውድድራት ኣብ ዓቢ ዓወት ክትሓፍሱ ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ።