ወዲ ገዛውተይ። መማህርተይ። መማርቕተይ። መሳርሕተይ።
ኣብ ገዛውትና : ዕዳጋ ሓሙስ ካብ ዘለዋ ፓላሶታት ፡ ቤት-መግቢ ጋርደን ሆቴል/ መዕረፍ-ኣረጋሽ ጋርደን ሓንቲ እያ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣስመራ እኳ እንተማሰና፡ ቑልዕነትናን ንእስነትናን ፡ ከይደናጋራ ግዲ ፈሪሕና : ኣብ ገዛውትና ዘለዋ መዘናግዒ ቦታታት ኣይደፈርናየንን። ንመድሃኔ ሃይለ(መዳ) ግና ኣብ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ገዛውትና: ኣብ ጋርደን ሆተል ተፋነኽዎ።
ጋርደን ሆተል ቁሩብ ደቓይቕ፡ ካብ’ታ ወሪኡ ዝገነነላ ፡ ወክማ/ወወክማ ትርሕቕ። ወክማ/Ymca-Ywca፡ መንእሰያት ስፖርት ዝለማመድሉ : ኣብ ማእከል ዕዳጋ-ሓሙስ ዝርከብ ህንጻን ጎልጎልን እዩ። ሎሚ ሓደ ብኮሌኔል (ህይወቱ ምስ ስፓርት ምትእስሳር ይሃልዎ ኣይሃልዎ እንድዒ …) ዝምራሕ ኮምሽን ስፓርት ኮይኑ ኣሎ። መድሃኔ ኣብ ወክማ ጀሚሩ፡ ብፒምፖም/ፒንግ-ፖንግ ግኑን ተጻዋታይ ኮይኑ : ዋንጫታት ዝተሸለመ ነበረ። ብጀካ የማነ ደስታ (ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህር ማነጅመንት) ዝቕድሞ ሰብ ኣይነበረን። መዳ ኣብ ባስኬትቦል እውን ከይተረፈ፡ ዳኛን ተጻዋታይን ነበረ።
ብዓውዲ ሕጊ ብዲግሪ ዝተመረቐ መዳ ሃይለ፡ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ኮይኑ፡ ሎሚ ንስለ ቕዋማዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ተበጅዩ፡ ኣርካን ሰማእት ኮይኑ፡ ኣብ ዙፋን ሕልና ኤርትራዊ ነጊሱ ይርከብ።
ብቕይሑ “ሽሮ” ትብል ሳጏ ዝጠበቖቶ መዳ ሃይለ፡ ንፉዕ ኣመሓዳሪ ምኾነልና … ምኾነላ ንኤርትራ:: ዓቕሚ ሰባት ኣለልዩ ኣብ ምውህሃድን : ብድፍረት ተበግሶ ምውሳድን ፍሉይ ክእለት ነበሮ መዳ። ተመሃሮ ሕጊ ኣብተን ዝጅምራ ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ ኣብ ምስታፍ፡ መዳ ሃይለን፡ ሓደ ካብ ኣቦታት መሰል ፕረስ ኤርትራ፡ ዝኾነ ሚልክያስ ምሕረትኣብን ዓቢ ተራ ኔርዎም። ዮሴፍ ኣልኣዛር፡ ሃብተኣብ የማነን ኣነን ኣብ ቀስተ-ደበና ዘጀመረና መዳ እዩ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ ኣነ ንዘመን ግዒዘ። ምስ ኣማኑኤል ኤልያስ፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ተስፋዝጊ ዑቅባዝጊን፡ ኣኽሊሉን ጋዜጣ ዘመን ጀመርና።
ንመዳ ሃይለ፡ ኩሉ ቀሊል እዩ። ኩሉ ይከኣል። “ጋዜጠኛነት፡ ቀንዲ ዘድልያ፡ ሓበሬታን ቐለምን እዩ። Information and Ink”፡ በዚ ሎሚ ናይ ፈስቡክስ ላይቭ እንተዝሪኦስ “ግጉይ ሓበረታን፡ ጥፍጣፍን፡” ምበለ ነይሩ መስለኒ።
ንዓይ፡ ኩሉ ፊደል ዝተንከፎ ስነ-ጽሑፍ/ሊትረቸር ኮይኑ ስለ ዝረኣየኒ ፡ ንፉዕ ጸሓፋይ ክትከወን ትሓልፎ ገድሊ ተወኪሰ ንካታዕ።
ኣነ ኣይድያሊስት/ሓላሚ ዝጸሪ፡ ንሱ ተኣማሚኑ፡ ርያሊስት/ኣብ ዘሎ ዝኣምን እየ ዝብል፡ ርዕዮተ-ዓለምና ኣይራኸብን። ኣብ ዝኾነ ኣርእስቲ ንካታዕ። “መብዛሕቲአን ኣዋልድ፡ ኣብ ገንዘብ እየን እምተን” ” ኖኖእ! ኣብ ፍቕሪ እባ!” ይምልሰሉ፡ “ሃብቲ ዶ ይሓይሽ እንካብ ንብዓት ዓይኒ!” ትብል ደርፊ ብውሽጠይ ግዲ ደፋፊኣትኒ።
ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ ኮምብሽታቶ፡ ገነት ሆቴል፡ ፓልም ረስተራንት ፡ ባር ኣመሪካን፡ ምስ ኣዕሩኽ-መሓዙት “ሻሂ ሰቲና!” ኢና። ቑልዕነትናን ንእስነትናን፡ ከይተሓዋዋሳና ግዲ ሰጊእና፡ ግን ኣብ ዘዕበየና ገዛውቲ ኣየማሰናን።
ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ዝተራኸብናላ ዕለት! ካብ ኣጎልግሎት ካብ ባጽዕ ንዕረፍቲ ተመሊሱ፡ እስኪ ሎምስ ዋላ ኣብ’ዚ ገዛውትና ሻሂ ንስተ ተባሃሂልና፡ ኣብ ጋረደን ሆቴል ዓረድና። ምስ መዳ ሃይለ ንመጨርሽታ ዝተፋነኹላ ምሸት ድማ ኮነት። ብዙሕ ኣዕለልና፡ ተኻታዕና፡ ሰሓቕና፡ ዘከርና። ልዕሊ ክሉ ብዛዕባ መጻኢና ኣብ’ታ ሃገር ሓለምና። ብዙሕ ሕልምታትን ባህግታትን ዝነበሮ፡ ዕፍቱይ እዋን ነበረ።
ባህጊ ኤርትራውያንን፡ ኤርትራውያንን ዘጽልኦ ዕያግ ታሪኽ ግን ኣይፈቐደን። መዳ ሃይለን ብጾቱን 19 ዓመት ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ተዳጎኑ።
ዝተረፍና ኣብ ስደት ዕለት ፍትሒ ክንጽብጽብ፡ ኣብ ዝኽሪን ሃንቀውታን ተቓቒርና፡ ናይ ሕሉፍ ነብያት ኮይና፡ ዝተርፋ ዘመንና እንተስ ንደፍአን፡ እንተስ ይደፍኣና ኣለዋ።
እዛ ከም መዳ ዝኣመሰሉ ውልዶታታ ትበልዕ ዘላ ኤርትራ : ዕጽፍታት ከም መዳ ተፍሪ ሃገር ፍቕሪ ክትከውን ምእንቲ : ምንዮት መዳን ብዙሓት ካልኦትን ኣብ ማዕልቦ ክበጽሕ፡ ሃገር ፍትሒ ምህናጽ ናባና እዩ። ፍትሓዊት ሃገር፡ ብፍትሓውያን ዜጋታት እያ ትህነጽ።
ፍትሒ ንኤርትራውያን! #ይኣክል!
26-07-2020።