ሎሚ 6 መጋቢት ጀሚሩ ን ሸሞንተ መድረኻትን፡ መዛዘሙ ጸወታን ዝዓምም ዙር ፓሪስ ናይስ (Paris Nice) ምስ ጋንትኡ ኢንተርማች ዎንቲ ጎበርት ኮይኑ ዘሰላስል ዘላ ተዓዋቲ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2021 ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ሻድሻይ ደረጃ ብምሓዝ ንብሉጽ መንእሰይ ኣብ ዝወሃብ ሽልማት ቀዳማይ ብምዃን ንጻዕዳ ማልያ ወኒንዋ ይርከብ።
ቢንያም ግርማይ ምስ ኣካየድቲ እዚ ውድድር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ኣዝየ ሕጉስ ኣለኹ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ ምኽኣለይ፡ እዚ ናይ መጀመርታ ውድድረይ እዩ ኣብ ዓለምለኻዊ ዙር(world tour race)፡ ተቐዳደምቲ ጃምቦ ቪስማ ኣዝዮም ሓያላትዮም፡ ግን ድማ ኣብ ስፕሪንተር ካልኣይ ኣብቲ ግሩፕ ብምምጽአይ ንዓይ ኣብ ጽቡቅ ምህላወይ ዘርኢ እዩ” ክብል ሓቢሩ።
ኣብዚ ፈረንሳዊ ላፕሮተ ክሪስቶፈ ዝተዓወተሉ ውድድር ቢንያም ግርማይ ካብ ቀዳማይ ብግዜ መበል ሻድሻይ ብምስራዕ ክኣቱ ምኽኣሉ ይፈልጥ።
ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ድሙቅ ዓወት ዘመዝግብ ዘሎ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ቻምፕዮን ዓለም ትሕቲ 23 ዓመት፡ ንሃገሩ ካልኣይ ብምውጻእ፡ ኣብ መድረኽ ዓለማዊ ጸወታታት ናይ መጀመርታ ስልማት ከውህባ ምኽኣሉ ይዝከር።
ብተወሳኺ ቢንያም ኣብ ዩሲኣይ ኣፍሪቃ ብደረጃ ውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ብምዃን ክመርሕ ከሎ፡ ኤርትራ ብወገና ናይ ቀዳመይቲ ቦትኣ ዓቂባ ትቕጽል ኣላ።