back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ኣፍሪቃ ኣይክትጻወትን እያ

ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ብዝብል ቅጽል ስም እትፈለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ፡ ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ቻምፕዮን ግጥማት ኩዑሶ እግሪ ኣፍሪቃ 2023 (AFCON 2023)፡ ንመጋቢት 21 ምስ ቦትስዋና ንዝነበራ ናይ መጻረዪ ግጥም ምምጽኣ ስለዘየረጋገጸት፡ ቦትስዋና ናብ ዝመጽእ መጻረዪ ደረጃ ከምዝሓለፈት ኣብ ስፖርት እትነጥፍ ጋዜጣ ቦስትዋና ኣፍሊጣ።

እታ ጋዜጣ ንቡኩራት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣመልኪታ ሎሚ ኣብ ሕታማ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ቦትስዋና ተመዲብላ ዝነበረ ናይ መጻረዪ ግጥም ዘይምስታፋ ብምጥቃስ፡ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ልክዕ ከምዛ ሃገራዊት ጋንታ፡ ትሕቲ 17 ዓመት ደቂኣንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ ኤርትራ ካልኣይ ዙር ጸወታ ምስ ካሜሮን ከምዝቦኸረት ኣፍሊጣ።

ምኽንያት ብኩራት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክፍለጥ ኡኳ ተዘይክኣለ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን ጸወታታት ብተደጋጋሚ እቲ ቦኩር ኤርትራ፡ ብሰንኪ ኣብ ስፖርት ዘሎ ናይ ምሕደራ ሽግራት ጉቡእ ናይ ርክባት ስራሕ ከምዘይካየድ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ 2022 ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሰንኪ ዘይምኽታብ ተቐዳደምታ ካብቲ ጸወታ ክትእገድ ምኽኣላ ንብዙሓት ኤርትራውያን ከምዘቆጠዐ ይዝከር።

Related Articles

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles