back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋታ ዝተራእዩ ምዕባለታት እንታይ እዮም፧

ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይን ሓምሻይ መዓልቲ ኣቁጺሩሉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራውን፡ ቁጠባውን እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያን ካልኦት ክስተታትን ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዘን ዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት ዕብይ ዝበሉ ዝነበሩ ፍጻሜታት ከምዚ ዝስዕብ ናብ ኣንበብቲ ነቕርቦ።

ወተሃደራዊ ምዕባለታት

ሩስያ ድሕሪ ብ ኣየር፡ ባሕርን ምድርን ዝጀመረቶ ወተሃደራዊ መጥቓዕቲ ኣብ ክሊ ዩክረይን፡ ኣጋር ሰራዊትን ፓራ ኮማንዶን ተሓዊስዎ፡ ን ገለ ከተማታ ኣብ ከበባ ክተእትወን ከላ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኼየቭ ገለ ፓራ ኮማንዶ ኣብ ጫፍ እታ ከተማ ከምዘለዉን ውግእ ይግበር ከምዘሎን ይሕበር።
ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ናይ ዩክረይን እትርከብን ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ተቐማጢ ብዝሒ ዘለዋን፡ ብ ዕቤታ ኣብ ካልኣይ ደርጃ እትስራዕ ከተማ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ውሽጢ ከተማ ብ ምእታው፡ ምስ ሓይልታት ዩኩረይን ይዋግኡ ከምዘለዉ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብታ ከተማ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ከምዝተቓጸለን ብርቱዕ ድምጺ ከምእተሰምዐን ይሕበር። ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታ ዩኩረይን ደብዳብ ከቢድ ብረተን ነፈርትን ከምዘሎ ክግለጽ ከሎ፡ ሓይልታት ዩኩረይን ንገስጋስ ሓይልታት ሩስያ ገቲኦም ሒዞሞም ከምዘለዉን እዚ ከኣ ሓይልታት ሩስያ ዘይተጸበይዎ ምዃኑን ይግለጽ። ኣብ ዘተፈላለየ መራኸቢ ብዙሃን፡ ሓይልታት ዩኩረይን ዘቃጸልዋ ነፋሪትን ዝዕነውወን ድሩዓት ወተሃደራዊ መካይንን ከምዘለዋ ዘርኢ ምስልታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ይርከብ።

ሰብኣዊ ቅልውላው ዩኩረይን

ብሰንኪ እዚ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይን፡ ኣዚዩ ኣሰካፊ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኸሲቱ ከምዘሎ ይሕበር። ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ብዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚኢቲ ሽሕ ዝኣኽሉ ዩኩረናውያን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ፖላንድ፡ ሃንጋርን ሮማንያን ከምተሰዱ ክግለጽ ከሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ መግለጺ ከኣ፡ እዚ ኲናት እንድሕር ቀጺሉ፡ ኣስታት 4 ሚሊዮን ዩኩረናውያን ክስደዱ ከምዝኽእሉ ይሕበር። እቶም ዝበዝሑ ዩኩረናውያን ናብ ፖላንድ ይስደዱ ከምዘለዉ ክግለጽ ከሎ፡ ብ ሰንኪ እዚ ውግእ፡ ኣስታት 352 ስቪላያውያን ሰባት ክመቱ ከለዉ፡ ልዕሊ 1000 ቆሲሎም ከምዘለዉ ይግለጽ። ኣብ ልዕሊ ቤትምህርታትን ሆስፒታላትን መንበሪ ገዛ ስቪላዊያን ህዝቢ ብ ደብዳብ ግዳያት ዕንወት ከምዝኮኑ ይሕበር።

እገዳ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተፈላለየ እገዳ ከካይዳ ከለዋ፡ ን ዩኩረይን ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፡ ዲፕሎማስያውን ገንዘባውን ሓገዝ ብምግባር ግብረመልሲ ከምዝሃባ እዩ ዝሕበር። መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ 3 ዓበይቲ ባንክታት ሩስያ እገዳ ክገብር ከሎ፡ ዝኾነ ናይ ቴክኖሎጂ ምሻጥ ናብ ሩስያ’ውን ከምዝኣገደ ይሕበር። እቲ ብሰንኪ ጀርመን፡ሃንጋርን ጥልያን ተቛውሞ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ን ኣብ ሩስያ ዝመደበረን ባንክታት ሩስያ ካብ “ስዌፍት” ተጠቃምነት ምእጋድ፡ ብ ሰንበት 27 ለካቲት ኣብ ሞንጎ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ገለ ባንክታት ሩስያ ካብ ተጠቃምነት “ስዌፍት” ተኣጊደን ከምዘለዋ ይሕበር።
ኤውርጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያን፡ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ዝኾነ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ን ኲናት ዝደገፉ ኣባላት ባይቶ ሩስያን ዘካተተ እገዳ ክገበር ከሎ፡ ክሊ ኣየር ኤውሮፓ ን ነፈርቲ ሩሲያ ከይጥቀማሉ እገዳ ከምዝገብረ ይሕበር። ኤውርጳዊ ሕብረት፡  እገዳ ዝተወሰድ ብ ኣመሪካ፡ ተመሳሳሊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ወሲዳ እያ።

ወተሃደራዊ ሓገዝ ን ዩኩረይን

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ናይ ልዕሊ 350 ሚሊዮን ህጹጽ ወተሃደራዊ ሓገዝ ን ዩክረይን ክወሃብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዝኣዘዘ ይሕበር።
እዚ ምስቲ ቀድሚ ሕጂ ኣመሪካ ንዩኩረይን ዝሃበቶ ወሃደራዊ ሓገዝ ክድመር ከሎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ናይ ኣስታት ሓደ ቢልዪን ዶላር ዝዋግኡ ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣበርኪታ። ጀርመን ክሳብ ትማሊ ሰንበት 27 ለካቲት፡ ዝኾነ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሓገዝ ከይገበረት እኳ እንተ ጸንሐት፡ ትማሊ ግን ን ሩስያ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምእትገብር ኣፍሊጣ። ነዚ ስዒቡ ስርሓት ጀርመን ዝኾነ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝጥቀማ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ን ሩሲያ ሓገዝ ክገብር ስለዝኽእል፡ ብርከት ዝበላ ሃገራት፡ ከም ኔዘርላንድን ካልኦትን ን ዩኩረይን ወተሃደራዊ ሓገዝ ክገብራ ኣኽኢልወን ኣሎ። በልጅም፡ ግሪኽ፡ ኖርወይን ስዊድንን ካልኦትን ካብተን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሓገዝ ክገብራ ምዃነን ዝሓበራ ሃገራት እየን። ብተወሳኪ፡ ሕብረት ኤውሮፓ ልዕሊ ሓሙሽተ ሜኢቲ ሚሊዮን ዶላር ዝዋግኡ ዝግመት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሓገዝ ክገብር ሙካኑ ይገልጽ። እዚ ካኣ ኣብ ታሪክ እቲ ሕብረት ንመጀምርታ እዋን ዝገብሮ ዘሎ እዩ። ብተወሳኪ’ውን፡ እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሃገር ቢላሩስ ኣብ ኲናት ከም ኣሳላጢት ኮይና ስለ ዝተዋሰአት፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳ ክገብር ሙካኑ ይሕብር።  ክሳብ ሕጂ ኣመሪካ ትኹን ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ኔቶን ዝኾና ሃገራት ወተሃደራተንን ኣብ ዩኩረይንን ክኣትዉ ከምዘይወሰና ይግለጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ፑቲን፡ ን ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገርን ሓለቃ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያን፡ ዓቅሚ ምግታእነት ኑኩሌር እታ ሃገር፡ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ኣዚዙ ከምዘሎ ይግለጽ።

ድሕሪ ዝተራእየ ምዕባለታት

ብዙሓት ሃገራት ንዩኩረይን ንምሕጋዝ ኣብ ዝተበገሳሉ ግዜ ኣብዚ ወራር ኣብ ጎድኒ ፑቲን ብምዃን ዝተበገሰ ፕረዚደንት ቤላሩስ ሎኩሽኩ፡ ብመገዲ እዚ ፕረዚደንት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዶብ እታ ሃገር ብመገዲ ልኡኻተን ኣቢለን ክዘራረባ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዩኩረይን ኣፍሊጡ ይርከብ።
እዚ ተሓሲቡ ዘሎ ዝርርብ ወለሓደ ውጽኢት ከምጽእ ከምዘይክእል ኡኳ ይሕበር እንተሎ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ግን ምናልባት ኲናት ጠጠው ንምባል ዕድል እንተሎ ኮይኑ፡ ንምርኣይ ልኡኻቱ ክሰድድ ከምዝተሰማምዐ ሓቢሩ ይርከብ።

ባይቶ ጸጥታን ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብከምበዓል ኣሜርካ ዝተበገሰ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተሪር ናይ ኩናኒ መግለጽን ሰራዊት ሩስያ ካብ ዩኩረይን ክወጽእ ዝጠልብ ስጉምቲ  ስምምዕ፡ ሩስያ ንዘለዋ ናይ ቬቶ ዕድል ብምጥቃም ውዱቅ ጌራቶ ትረክብ። እተን 11 ቀወምትን ዘይቀወምትን ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ክድግፍኦ ከለዋ ፡ ቻይና፡ ህንዲ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድማ ናይ ድምጺ ተዓቅቦ ኣርእየን።
ብዘይካዚ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ሓደ ውሳነ ክበጽሕ ዘይምኽኣሉ፡ እቲ ብበዓል ኣሜርካ ዝቐረበ ናይ ኲነኔ ስጉምቲ ናብ ህጹጽ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ዝተጸውዖ ን ሶኑይ ዕለት 28 ለካቲት ክቀርብ ምዃኑ ተፈሊጡ ይርከብ። ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝምስረት ንመበል 11 ግዚኡ ዝርአ ዘሎ ኣገባብ ልሙድ ከምዘይኮነ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ህጹጽ ጉባኤ፡ ለበዋ ብምሕላፍ፡ መግለጺ ከውጽእ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ 2014 ሩስያ ን ክረሚያ ምስ ሓዘታን ረፈርንዱም ምስተገብረን፡ ተመሳሳሊ ክስተት ከምዝነበረን፡ ነቲ ብ ኣመሪካን መሻርክታን ዘተጸውዖ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ንውጽኢት  ረፈረንደም ዝነጽግን ተቀባልነት ዝክልእን ጻውዒት፡ 100 ዝኣክላ ሃገራት ከምዝደገፍኦ መዛግብቲ ታሪክ ይሓብሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles