back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሩስያን ዩክረይንን ልኡኻተን ተራኺቦም ኣብ ቤላሩስ ክዛተዩ ተሰማሚዐን

ንኣስታት ሓደ ሰሙን ቀጺሉ ዘሎ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንምፍታሕ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዶብ ቤላሩስ ተራኺበን ንክዝትያ ከምዝተሰማምዓ ኣብ ኣሜርካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቪላድሚር ዚለንስኪ ምስ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣብ ዝገብሮ ናይ ተሌፎን ምዝርራብ፡ ልኡኻት ዩክረይ ኣብ ዶብ ቤላሩስ ክራኸቡ ከምዝተሰማምዐ፡ ንወሃቢ ቃል መንግስቲ ዩክረይን ብምጥቃስ እቲ ዜና የፍልጥ።
ፕረዚደንት ዚለንስኪ ነዚ ርክብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ከም ኩሉ ግዜ ቅንዕና ክሕዝየ፡ ካብዚ ዝርርብ ውጽኢት ዘይጽበ ኡኳ እንተኾንኩ፡ ምናልባት ኲናት ጠጠው ክብል ዕድል እንተሎ ንፈትን” ክብል ገሊጹ።
ዩክረይን ብሩስያ ንዝቀረበ ናይ ዝርርብ ጠለብ ኣብ ቤላሩስ ነጺጋቶ ኡኳ እንተጸንሐት፡ ሕጂ ግን ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዝርከብ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ቦታ ልኡኻተን ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ይርከብ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዩክረይን ብወገኑ እዚ ዝርርብ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ዝኾነ ናይ ሚሳይልን ነፈረትን ደብዳብ ከምዘይካየድ ፕረዚደንት ቤላሩስ ሉካሺንኮ ከምዝገለጸሉን ኣካል ናይቲ ስምምዕ ምዃኑን ሓቢሩ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ሓያል ጸቅጥን ተቛውሞን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝገጠማ ዝፍለጥ ኡኳ ተኾነ፡ እንተኾነ ነቲ መጥቃዕቲ ደው ዘብል ስጉምቲ ከምዘይተወስደ ይሕበር። ኣሜርካ ትርከብን መሻርኽቲ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ቁጠባን፡ ፋይናንሳዊ ሕሳባትን ከምዝገበራ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles