ንኣስታት ሓደ ሰሙን ቀጺሉ ዘሎ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንምፍታሕ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዶብ ቤላሩስ ተራኺበን ንክዝትያ ከምዝተሰማምዓ ኣብ ኣሜርካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቪላድሚር ዚለንስኪ ምስ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣብ ዝገብሮ ናይ ተሌፎን ምዝርራብ፡ ልኡኻት ዩክረይ ኣብ ዶብ ቤላሩስ ክራኸቡ ከምዝተሰማምዐ፡ ንወሃቢ ቃል መንግስቲ ዩክረይን ብምጥቃስ እቲ ዜና የፍልጥ።
ፕረዚደንት ዚለንስኪ ነዚ ርክብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ከም ኩሉ ግዜ ቅንዕና ክሕዝየ፡ ካብዚ ዝርርብ ውጽኢት ዘይጽበ ኡኳ እንተኾንኩ፡ ምናልባት ኲናት ጠጠው ክብል ዕድል እንተሎ ንፈትን” ክብል ገሊጹ።
ዩክረይን ብሩስያ ንዝቀረበ ናይ ዝርርብ ጠለብ ኣብ ቤላሩስ ነጺጋቶ ኡኳ እንተጸንሐት፡ ሕጂ ግን ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዝርከብ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ቦታ ልኡኻተን ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ይርከብ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዩክረይን ብወገኑ እዚ ዝርርብ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ዝኾነ ናይ ሚሳይልን ነፈረትን ደብዳብ ከምዘይካየድ ፕረዚደንት ቤላሩስ ሉካሺንኮ ከምዝገለጸሉን ኣካል ናይቲ ስምምዕ ምዃኑን ሓቢሩ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ሓያል ጸቅጥን ተቛውሞን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝገጠማ ዝፍለጥ ኡኳ ተኾነ፡ እንተኾነ ነቲ መጥቃዕቲ ደው ዘብል ስጉምቲ ከምዘይተወስደ ይሕበር። ኣሜርካ ትርከብን መሻርኽቲ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ቁጠባን፡ ፋይናንሳዊ ሕሳባትን ከምዝገበራ ይሕበር።