back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ናትናኤል ተስፋጽየን ቀዳማይ ብምዃን ንብጫ ማልያ ኣብ ዝባኑ ሰቂልዋ

ተዓዋቲ ዙር ርዋዳ 2020 ከምኡ’ውን ተዓዋቲ 5ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ናትናኤል ተስፋጽየን፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 6ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2022 ንዩክሬናዊ ኣናቶኢ ብድያክ ብምስዓብ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ኣብ ግዜ ንዝነበሮ ናይ 52 ካልኢት ብምሕላፍ ብ16 ካልኢት ብምሕላፍ፡ ብናይ ግዜ መዕቅኒ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ብምስራዕ ወናኒ ብጫ ማልያ ኮይኑ ይርከብ። 

ናትናኢል ተስፋጽዮን ብተወሳኺ ኣብ ዙር ወናኒ ብሉጽ መንእሰይ ተቐዳዳማይን ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቓዳዳማይን ብምዃን ንሄኖክ ሙሉእብርሃን መሪሑ ዓወታቱ ይቅጽል ኣሎ።

ኣብዚ መድረኽ ናይ 5ይ ደረጃ ዝሓዘ ሄኖክ ሙሉእብርሃን ብወገኑ ብሽድሽተ ካልኢት ድሒሩ ኣብ ብሓፈሻዊ ግዜ ብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ክርከብ ከሎ፡ መትከል እዮብ ብወገኑ ኣብ ሻሙናይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

ብሰንኪ ዘይምኽታብ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ዘይክኣለት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንብዙሓት ዘቆጥዐ ኮይኑ፡ ሰለስተ ኤርትራውያ ተቐዳደምቲ ግን ምስ ጋንታታቶም ኮይኖም እሳተፉ ኣለዉ

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles