ኣብ ልዕሊ ርእሲ ከተማ ዩክረይን፡ ኪየቭ ን ካልኦት ከተማታትን ክፋል ግዝኣት ዩኩረይን ዝተኻየደ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ዝጠፈልጠ እኳ ተዘይለ፡ ሩሲያ ብ ሽነክ ክረሚያ፡ዶብ ቤላሩስን ዩክረይንን ምብራቃዊ ሸነኽ ዩክረይንን ነዚ መጥቓዕቲ ተበጊሳ ከምዘካየደቶ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ሃገረ ሩስያ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘይተመደብ ሰዓት ኣብ ተለቪዥን ሃገሩ ብምቅራብ፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ትገብሮ ዘላ ናይ ኩናት ምቱኹታኽ ጠጠው ተዘይኣቢላቶ፡ ዕጽፋታት ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ’ኣ ከምዝወስድ ክገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን” ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት “ክግበር ምምርሒ ድሕሪ ምሃቡ ተኸቲሉ ሎሚ ወጋሕታ ብ ኣየር፡ ባሕርን ምድርን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኻየደ ይሕበር።
ሩስያ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማራ፡ ዝተፈላልየ ሃገራት ኣትሪረን ክኹንንኦ ከለዋ፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ናይ ኩሉ ዝወረድ ምፋሳስ ደመን ምዕናዋን መንግስቲ ሩስያ ተሓታቲ እዩ ክትብል ከላ፡ ምስ መሻርክቲ ሃገራት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣዚዩ ተሪርን ጽኑዑን እገዳ ከምትገብርን ንህዝቢ ዩኩረይን መንግስቲ ዩክረይን ኣድላዪ ሓገዛት ከምእትገብርን ብምሕባር፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዚ ኩነታት ኣመልኪቱ ምስ ጸጥታዊ ትካላት ኣመሪካ ትማሊ ምሸት ከምዝተማኸረን፡ ሎሚ ሓሙስ ንህዝቢ ኣመሪካ መገለጺ ክህብ ሙዃኑን ይግለጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብጻውዒት ዩክረየን ህጹጽ ኣኼባ ከምዝገብረን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ከምዝዘተየን ክግለጽ ከሎ መንግስቲ ቻይና ሩሲያ “ወራር ኣብ ሎዕሊ ዩክረይን” ንዝብል ናይ ብዙሓት ሃገራት መርገጺ፡ ከምዘይትቅበሎን ብትሪ ከምትቃዎሞን ክትሕብር ከላ ኩሎም ወገናት ናብ ናይ ሰላም መንገዲ ከምርሑ ጸዊዓ።
ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ሰሙናት፡ መንግስቲ ኣምሪካ፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እያ ክትብል ክትከሳ ከላ፡ መንግስቲ ሩስያ ብ ወገኑ፡ ን ዩክረይን ምውራር መደብ ይብለይን፡ እዚ ናይ ኣመሪካን መሻርክታ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ NATO)፡ ዝገብሮ ጸለመን ምትኹታኽን ንኲናት እዩ ክትብል ክትነጽጎ ከምዝቀነየት ይፍለጥ።
ሩስያ፡ ዩክረይን ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ( ኒቶ) ሙዃን ን ጸጥታይ ስጋኣት ስለዝኾነ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ( ኒቶ) ውሕስነት ክህበኒ ዘይክእል ተኮይኑ፡ ን ውሕስነት ጸጥታ ናተይ ክብል ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ክግደድ እየ ክትብል ከምዝጸንሐት ዝተረክቡ ምንጭታት ይሕብሩ።
ይኹን ዳኣ እምበር፡ ነዚ ጉዳይ ናብ ኲናት ንከይመርሕ ጽዑቅ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶን ናይ እገዳ ስጉምታትን ኣብ ልዕሊ ሩስያ፡ ነዚ ሎሚ ዝተወስደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲብ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ጠጠው ከብሎ ከምዘይከኣለት ይፍለጥ።