back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ብስም ተቓላሲ ንፍትሕን ዴሞክራስን ኣምበሳድር ነበር ኣድሓኖም ገብረማርያም ፋውንደሽን ተመስሪቱ

ብስም ቅድም ሓደ ዓመት ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓንርነትን ዴሞክራስን ፍትሕን ልዑል ስም ዘለዎ ኣድሓኖም ገብረማርያም “ፋውንደሽን ኣድሓኖም ንማሕበራዊ ፍትሒ” ዝተሰምየ ፋውንደሽን ከምዝተመስረተ እቲ ፋውንደሽን ናብ ሰቲት ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ብስም ኣምበሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝተመስረተ ፍውንደሽን፡ ብኤርትራውያን ሞያውያንን ፈተውቱን ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ዘይመኽሰባዊ ትካል ምዃኑ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የብርህ።

ፋውንደሽን ኣድሓኖም ንማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ንማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ዝግበር ቃልሲ ንምድንፋዕን ንምሕጋዝ፡ ተስትፎ ኤርትራውን ዜጋታታት ኣብ ቃልሲ ንማሕበራዊ ፍትሕን ዴሞክራስን ንምትብባዕ፡ ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንክንጸባረቕን ማዓርነት ናይ ዕድላት ንምድንፋዕን ምርግጋጽን ንዝጽዕሩ ውልቀ-ሰባትን ማሕበራትን ንምሕጋዝን፡ ከምኡውን ናይ ትምህርትን ጥዕናን ክረኽቡ ንዝተሸገሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ንምሕጋዝን ንምዕባይን ካልኦትን ምስ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽን ዝዓለመ ምዃኑ የብርህ።

ኣምበሳድር ኣድሓኖም ኣብ 1987 ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከም ኣኽባር ሕጊ፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ፡ ከምኡ’ውን ኣምበሳድር ኣብ ሃገራት ስካንዲኒቭያን፡ ናይጀርያን ኮይኑ ብተወፋይነት ንሃገሩ ብምግልጋል፡ ኣብ 2001 ንለውጢ ኣብ ዝጠለበ ናይ ሰበስልጣን ምልዕዓልብ፡ ኣብቲ ብ ጂ-15 ዝፍለጥ ናይ ፌርማ ደብዳቤ ፌርምኡ ብምቅማጥ ንለውጢ ካብ ዝጠልቡ ሰብስልጣናት ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዴሞክራስን ንምስፋን፡ ከይተሓለለ ዝሰርሐ ኣምበሳድር ኣድሓኖም፡ ኣብ ስደት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ(EPM) ዝበሃል ውድብ ብምምስራት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ሰፊሕ ኣበርክቶ ዝገበረ ውፉይ ኣቦን መራሕን ምንባሩ ብሰፊሑ ይግለጽ።

ኣምበሳድር ኣድሓኖም ኣብ መበል 75 ዕድሚኡ ብዕለት 19 ለካቲት 2021 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ምዕራፉ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles