back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቆላሕታ ኩሉ ኤርትራዊ ክብሕት ዝግባእ ኩነታት

ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ዘሻቅል ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ መዓልታዊ ንከታተሎ ዘለና እዩ። ኣብ ክልል ዓፋር ብሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዘካይድሉ ዘሎ እዋን፡ ኣሻሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሞት ክቃልዑ ከለው፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጌና ስንብራትን ደበናን ኲናት ዘንጸላልወሉ ዘሎ ኩነታት ትግራይ፡ ብጥምየት፡ ሕጽረት ቀረብ መድሃኒትን ሕክምናን ይሞቱን ይሳቐዩን ከምዘለው ዓለም ዝፈልጦን፡ መዛግብቲ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ዝምስክሮን ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ድማ፡ ወዓል ሕደር ዘየድልዮን ዘስካሕክሕ ኩነታት እዮም ዝርከቡ።

ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣስታት 149 ሽሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ካብዚኦም ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝነበራ መዓስከራት ዝነበሩ እዮም። እዞም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ በቲ ብሕዳር 2020 ዝተወለዐ ውሽጣዊ ጎንጺ ኢትዮጵያ ግዳያት ኮይኖም ኣለው። ልዕሊ ኩሉ ጸጥታውን ፖሎቲካውን ኩነታት ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዝኸፍአ ናይ ህይወት ሓደጋ ሸሚምዎም ይርከብ።

ካብተን ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበራ ኣርባዕተ መዓስከርት ዝተረፋ ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት፥ ኣብ ከቢድ ጸጥታውን ማሕበራውን ሓደጋታት ይርከቡ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይን ዓፋርን ድማ ብፍላይ ካብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝወርዶም ዘሎ ሰፍ ዘይብል ጸገማት ክድሕኑን፡ ዘላቒ ዝበሃል ፍታሕ ንምርካብ ድማ እኩብ ጻዕሪን ሓያል ድፍኢትን ጸቕጥን ኣብ ልዕሊ ብጉዳይ ስደተኛታት ዝግደሳ ትካላት ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ዓፋርን ይጠለብ።

በዚ ኣብ ልዕሊ እዞም ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ፡ ተሓተቲ ዝኾኑ ኣካላት ክሕተቱን፤ እቲ ካብ ሃገሮም ክስደዱ ዝገበሮም ጸገም ድማ ነባሪ ፍታሕ ክረክብን ምስራሕ፥ ካልእ ኣመራጺ ዘይብሉ ዕዮ ገዛ ኤርትራውያን እዪ። ድሕነት’ዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከረጋገጽ፤ እቶም ንድሕነት እዞም ስደተኛታት ዘጋድዱ ዕንቅፋታት ክመሓውን ብዘይ ፖለቲካዊ ድሪኺት ዝዕመሙ ንጥፈታት ክህልውን፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ምስ መሻርኽቶም ብምጽማድ፤ ነቶም ድሮ ንጸጥታውን ማሕበራውን ሓደጋታት ዝተቓልዑ ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ዘላቂ ፍታሕ ንምርካብ ክጣበቑ፡ ሰብኣውን ዜግነታውን ሓላፍነት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ። በርጌሳውያንን ፖለቲካውያን ጥርናፈታትን’ውን ተመሳሳሊ ሓላፍነት ክህልዎም መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ህጹጽ ናይ ምድሓን ግዜ እዩ።

ጉዳይ እዞም መዓልታዊ ግዳያት ማሕበራውን ጸጥታውን ጸገማት ዝኾኑ ዘለው ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቀዳምነትን ዝያዳ ኣቃልቦ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክብሕት ዝግብኦ ኮይኑ ንረኽቦ። ንጉዳይ እቶም ኣብ ክልል ዓፋር ዘለው ግዳያት ደብዳብ ኮይኖም ዘለው ስደተኛታት፡ ዕጫ ናይ’ቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ስደተኛታት ከይወደቖም ምጉያይ ዘድልዮ ህጹጽ ኩነታት እዩ።

ቀጺሉ እቲ ዘላቒ ፍታሕ ንዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ንምፍዋስ፡ ኤርትራውያን ናብ ሓደጋታት ሰሃራን ባሕርን ብብዝሒ ንምእታው ዘቃልዕ ሜላታት ካብ ምትብባዕ፡ ነቲ መሰረት ናይ’ዚ ኩሉ ዝኾነ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ምቕያር እዩ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ። ነዚ መሰረታዊ ስጉምቲ ዘሊሎም ዝበሃጉ ነገራት ግን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንካልእ ኣብ ሰሃራን ባሕርን ክንይኡን ንከጋጥሞም ዝኽእል ጸገማት ዘጋልጾም ከምዝኾነ ግንዛቤ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።
ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን፡ እዞም ስደተኛታት ኣብቲ ዘለውዎ፡ ዝኾነ ዓይነት በደል ከይወርዶም፡ ቅድሚ ሕጂ ዝወረዶም ብደላት ክምርመርን፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ንድሕነት ኣብ ክልሉ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምውሓስ ዘርእዮ ዘሎ ፍሽለት ክእርምን፡ መንስግቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ነቶም ኣብ ትግራይ ዘለዎ ዘጋጠመ እኹል ትምህርቲ ቀሲሙ፡ ንውሕስነት እቶም ኣብ ክልል ዓፋር ዘለው ከውሕስ ሓላፍነት ከምዘለው ነዘኻኽር። ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕብራት ሃገራት፡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ደለይቲ ፍትሕን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ድማ ብፍላይ፡ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኮይኖም፡ ግዝያውን ነባርን ፍታሕ ነዞም ስደተኛታት ንምርግጋጽ ክረባረቡ ንጽውዕ። ኣብ መወዳእታ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብመነጸር ፖለቲካዊ ቅማረታት ዝረአን ብድሪኺት ፖለቲካዊ ዝንባለታት ዝዕየርን ዘይኮነ፡ ቆላሕታ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክብሕት ዝግባእ ህጹጽ ጉዳይ ከምዝኾነ ነስምረሉ።

ሰቲት ሜዲያ፡ 9 ለካቲት 2022

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles