ምስ በልጂማዊት ክለብ ተጠርኒፉ ጸወትኡ ዘሰላስል ዘሎ፡ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2021 ኮይኑ ዝተዓወተ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ስፓኛ ኣብ ዝካየድ ዘሎ፡ ናይ ቻለንጅ ውድድራት ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ንብዙሓት ስሙያት ተጻወቲ ኣብ ቮላታ ብዘደንቅ ክእለት ብምስዓር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።
ቢንያም ግርማይ ኣብዚ ጸወታ ልዑል ብቅዓት ከምዘርኣየ ምስ ቅድድም ብሽክለታ ቅርበት ዘለወን መርበባት ክሕብራ ከለዋ፡ ንሱ ብወገኑ “ኣብ ካልኣይ መዓልተይ ነዚ ዓወት ክጓናጸፍየ ኢለ ኣይሓሰብኩን፡ ንደቂ ጋንታይ የመስግኖም” ክብል ተዛሪቡ። በተወሳኺ ቢንያም ግርማይ ኣብዚ ጸወታ 125 ዝኣክል ነጥቢ ናብ ዩሲኣይ ዝኾነ ከምዝሓፈሰ ራድዮ ኤረና ጠቂሳ ትርከብ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝሓለፈ ብዘርኣዮ ዘደንቅ ብቅዓት ኣብ ውድድራት ቻምፕዮን ዓለም ትሕቲ 23 ሰለስተን ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ንኤርትራ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ ግዜ ዓቢ ዓወት ከምዘመዝገባ ይዝከር።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክለባት ኮይኖም ጸወተኦም ዘሰላስሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ፕሮፍሽናላት ተቐዳደምቲ፡ ብዙሕ ዓወታት ይሓፍሱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።