ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ኣብ ብርኪናፋሶ መፈንቅለ መንግስቲ ይካየድ ኣሎ 

ናብ ሶኑይ ዕለት 24 ጥሪ ዘውግሕ፡ ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ካቦረ፡ መፈንቀለ መንግስቲ ብዘካይዱ ወተሃደራት ናይ’ታ ሃገር ከምዝተኣስረ ተሓቢሩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ቡርኪናፋሶ ኡጋዱጉ፡ ናብ ሶኑይ ዘውግሕ ለይቲ ድምጺ ጠያይትን ቶኽስን ክስማዕ ከምዝሓደረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ሃዲኡ ከምዘሎን ተፈሊጡ። ኣብ’ታ ርእሰ ከተማ ግን፡ ድሩዓት  መካይን ወተሃደራት ክዞራ ከምዝተራእያን፡ ሚኒስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገርን መደበር ማዕከን ዜና፡ መንበሪ እቲ ፕረዚደንትን ብወተሃደራት ተኸቢቡ ከምዘሎን እዩ ዝግለጽ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ፡  ሃገራዊት ጋንታ እታ ሃገር  ንዝረኸቦቶ ዓወት ድሕሪ ምሙጋሱ፡ ዳሃይ ከምዘይብሉን፡ ኣበይ ቦታ ተኣሲሩ ከምዘሎን ከምዘይፍለጥ ይሕበር። 

ቡርኪናፋሶ ብ 1960 ናጽነታ ካብ ትረክብ፡ ብ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ዕልዋን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ክትሕመስ ዝጸንሐት ኮይና፡ ካብ 2015 ብ ግብረሽበራዊ ጉጀለ ጂሃድ ፖለቲካዊ ቅሳነት ከምዘይረኸበት ክግለጽ ከሎ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፡ ነቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ እኹል ከምዘይኮነን ዕግበት ከምዘይብሎምን ነዚ መፈንቅለ መንግስቲ ክካይዱ ጠንቂ ከምዝኾነን ገለ ገለ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ