ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቦሪስ ቸሺርኮቭ፡ ብ 21 ጥሪ 2021 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብ እንዳ ኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማዓስከር ማይ ዓይነን ዓዲ ሓሩሽን ኣዝዩ ዘሻቕል ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ። ብ ሰንኪ ናይ ጸጥታ ኲነተታ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ሰራሓተኛታት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስድተኛታት(UNHCR) ክብጽሕዎ ከምዘይከኣሉ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብዚ ሰሙን ግን ብዝረኸቦ ዕድል ክበጽሕዎ ከምዝኸኣሉን፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣዚዩ ዘፍርሕ ኲነታት ተሸሚሞም፥ ብዘይ እኹል መግብ፡ እኹል ቀረብ መዳሃኒትን ቀረብ ዝስተ ጹሩይ ማይ ከምዘይብሎም ኮይኖ ከምዝረኸቦም እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።
ብ ምቅጻል ቦሪስ ቸሺርኮቭ፥ ብመሰረት ካብቶም ስደተኛታት ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ብ ኣቀዲምካ ምክንኻን ክውገዱ ዝኽእሉ ሕማምት መጠን ብዝሖም ከምዝወሰኹን ኣሳታት 20 ስደተኛታት ዝኸውን ሞት ከምዝበጽሐን ከምዝሓበርዎ ከገልጽ ከሎ፡ ካብ ዝሓለፈ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ፡ ወሃብቲ ኣገልጉሎት ጥዕና ከምዝተዓጽዋን ቀረብ መድሃኒት ከምዘየለን ከምዝገለጹሉ ይሕብር።
ብሰንኪ ቀረብ ምእትው ናብ ክልል ትግራይ ኣሸጋሪ ብሙዃኑ፡ ነቲ ዘሎ ኩነታት ዓጸቦ ኣብተን ማስከራት ከምዘጋደዶ ክሕብር ከሎ፡ እቶም ስደተኛታት ዘለዎም ንብረት ወይ’ውን ክዳውንቶም ብምሻጥ፡ መግቢ ንክረኽቡ ይገብሩ ከምዘለዉ ይሕብር።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት(UNHCR)፡ ነቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ፡ ብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ እቲ ትካል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንከሰጋግሮም ዝወጠኖ መደብ ክሳብ ሕጂ ገስጋሰ ከምዘየርኣየ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይሕብር።