ማዕከን ሓበሬታ ኣልጀዚራ ብ ሓሙስ 20 ጥሪ ብዘስፈሮ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ 2.8 ሚልዮን ክታበት ኮቪድ-19 መዓልቱ ኣኺሉ ከምዝተጓሕፈ ሓቢራ። እታ ማዕከን ሓበሬታ ን ዳይርክተር ማእከል ምቑጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ(CDC) ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር፡ ትካላት ጥዕና ኣፍሪቃ፡ ነታ ኣህጉር ዝውፈ ክታበት ለበዳ ካብ ሰለስተ ክሳብ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ከብሒ ዕምሪ ዘለዎ ኮይኑ ክመጽእ ተላብዮም።
ዳይረክተር ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ፡ እዚ መዓልቲ ኣኺሉ ዝተጓሕፈ ክታበት ኮቪድ-19፡ 0.5 ካብ ሚእቲ ካብቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝኣተወ 572 ሚልዮን ክታበት ለበዳ ኮሮና ምዃኑ ከምዝሓበረ ተፈሊጡ። ብተወሳኺ ካብ 2.216 ቢልዮን ህዝቢ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ብገምጋም 10.4 ሚእታዊት ማለት 126,464,000 ጥራይ ምሉእ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝወሰዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ዳይርክተር እቲ ዕለቱ ዝወደቀ ክታበት ኮሮና፡ ዝበዝሐ ብውልቀ ሃገራት ዝተወፈየን ብኮቫክስ ዝተዓደለን ከምዝኾነ ሓቢሩ ክትብል ኣልጀዚራ ኣብ ጸብጻብ ኣስፊራ።
ብኣንጻሩ 55 ሃገራት ሕብረት ኣፍቃ ብዝመስረትኦ ኣካል ናብታ ኣህጉር ዝኣተወ ናይ ጆንሰን ኤንድ ጆንስን(Jonson and jonson) ክታበት ኮሮና ነዊሕ ናይ ከብሒ ዕምሪ ከምዘለዎ እቲ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣነጺሩ ክትብል ብተወሳኺ እታ ማዕከን ሓበሬታ ኣፍሊጣ።
ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓጽር ዕምሪ ከብሒ ዘለዎ ክታበት ምስ ዝሪኣ ምቅባል ከምዝኣብያን፡ እዚ ዝገብራሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ክታበት ኮቪድ ኣብ ሃገረን ዕለቱ ወዲቁ ካብ ዝብል ትረኻ ስለዝፈጥር እዩ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ እቲ ዳይርክተር፡ ምስ ናይ ኣሜሪካ መድሃኒት ዘመስርሕ መርክ ዝተባህለ ኩባንያ ንምዝርራብ መዲቡ ከምዘሎን፡ Paxlovid ዝተባህለ መድሃኒት ፋይዘር ናብ ኣፍሪቃ ንምእታው ዝተጀመረ ዝርርብ ሶጊሙ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።
ኤርትራ ክሳብ ሕጂ እታ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንዜጋታታ ክታበት ኮቪድ 19 ክትህብ ዘይክኣለት ሃገር ኮይና ትረክብ። ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ ንመንግስቲ ኤርትራ ብተዳጋጋሚ እቲ ናይ ክታበት ሓገዝ ክትቅበል ይምሕጸንዋ ከምዘለዉን፡ እቲ ጻውዒት ጠጠው ከምዘየብልዎን ምጥቃሱ ይዝከር።