back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሰለማዊ ፍታሕ ክርከቦ ዘኽእል ተስፋታት ኣርእዩ

ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰለማዊ ፍታሕ ክርከቦ ተስፍታት ከምዘሎን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀረባ ግዜ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል እማመን ዲፕሎማስያውን ሰለማውን ፍታሕ ድልዉነት ኣርእዮም ከምዘለዉ፡ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተረዝ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ዋና ጸሓፉ ብዛዕባ ከይዲ ምዕባለታት ኢትዮጵያ ምስ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝዓዪ ዘሎ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ናይጀርያ ኦቢሳልንጎ ኣባሳንጆ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተሌፎን ዝርርብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ደሓን ዝኾነ፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ደው ናይ ምባል ተስፍታታት ከምዘርኣዩ ከምዝሓበሮ ብምጥቃስ ኩሎም ወገናት ነዚ ኲናት ጠጠው ክብልን ናብ ሰለማዊ ፍታሕ ንምምጻእ ጻዕርታቶም ከዛይዱን ጸዊዑ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ብተወሳኺ ኣብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝኸዱ ዘለዉ ጎንጺ ንመስርሕ ሰላም ዕንቃፋት ኡኳ እንተኾኑ፡ ኩሎም ወገናት ሓያል ጻዕሪ ከካይዱ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ዓመት ዝኸደ ኲናት ሓድሕድ ብዙሕ ሰብኣውን ንዋታውን ጉድኣት ኣስዒቡ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles