ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰለማዊ ፍታሕ ክርከቦ ተስፍታት ከምዘሎን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀረባ ግዜ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል እማመን ዲፕሎማስያውን ሰለማውን ፍታሕ ድልዉነት ኣርእዮም ከምዘለዉ፡ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተረዝ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እቲ ዋና ጸሓፉ ብዛዕባ ከይዲ ምዕባለታት ኢትዮጵያ ምስ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝዓዪ ዘሎ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ናይጀርያ ኦቢሳልንጎ ኣባሳንጆ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተሌፎን ዝርርብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ደሓን ዝኾነ፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ደው ናይ ምባል ተስፍታታት ከምዘርኣዩ ከምዝሓበሮ ብምጥቃስ ኩሎም ወገናት ነዚ ኲናት ጠጠው ክብልን ናብ ሰለማዊ ፍታሕ ንምምጻእ ጻዕርታቶም ከዛይዱን ጸዊዑ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ብተወሳኺ ኣብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝኸዱ ዘለዉ ጎንጺ ንመስርሕ ሰላም ዕንቃፋት ኡኳ እንተኾኑ፡ ኩሎም ወገናት ሓያል ጻዕሪ ከካይዱ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ዓመት ዝኸደ ኲናት ሓድሕድ ብዙሕ ሰብኣውን ንዋታውን ጉድኣት ኣስዒቡ ከምዝርከብ ይፍለጥ።