back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሑቲ ዕድጋታት ዘይተጻረየ ነዳዲ ዓለም፡ ወሰኽ ኣርእዩ

ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋ ዓለም፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ወሰኽ ከምዘርኣየ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ወሰኽ ድሕሪ ኣብ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ዝነበረ ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጸራየ ነዳዲ ከምዝበጽሐን ብ 1.6% ወሰኽ ከምዘርኣየን ኣብ ሰሉስ 18 ጥሪ ዝነበረ ዋጋ ን ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ $87.89 ከምዝበጽሐን ተፈሊጡ ይርከብ።

ሓደ ካብ ጠንቂ ምውሳኽ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም፡ እቲ ትማሊ ሶኑይ ብ ኣብ የመን ዝመደበሮም ዕጡቓት ሑቲ ሓለፍነት ዝወሰድሉ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ርእሰ ከተማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነትን፡ ኣብ ከባቢ ናይ ኢንዱስትሪን ብመንግስታዊ ትካል ነዳዲ ዝውነን ኣጋንእ ነዳዲ መኽዘንን ብዝፈጸምዎ ምጥቓዕቲ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሕድሽ ናይ ጸጥታ ስግኣት ብምኽሳቱ ከምዝኾነ ይሕበር። ንግስነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ከተማ ዝተፈጸመ ግብረ መልሲ ከምእትወስድ ምሕባራ ብተወሳኺ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩስያን ዩኩረይንን ክትወራ ትኽእል እያ ዝብል ፍርሒ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን፡ ንወሰኽ ዋጋ ናይ ዘይተጻረየ ነዳዲ ግደ ከምዘለዎ፡ ናይ ጻዓት ተንተንቲ ይሕብሩ።

ኣብ የማን ብሓይልታታ ልፍንቲ ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባብኤልመንደብን ማእከላይ ምብራቅ ዓቢ ውድቀት ከይፍጠር ስግኣት ከምዘሎ ይፍለጥ። ብኢማራት ዝምርሑ ሓይልታት ልፍንቲ ነቲ ኣብ የመን ዝዋጋእ ዘሎ ሑቲ ንምድምሳስ የመን ኣብ ከቢድ ዓዘቅቲ ውግእ ሓድሕድ ካብ ትኣቱ ሓያሎ ዓመታት ኣቑጺሩ ይርከብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,374ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles