back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ሄኖክ ምሉእብርሃን ናብ ክለብ ባይክ አይድ(Bike Aid) ተሰጋጊሩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ክለብ ኲቤካ ኣሶሳ (Team Qhubeka assosa) ኮይኑ ብሉጽ ዓወታት ዘመዝገበን፡ ኣብ ኦሎምፒክ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተወዳደረን ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ናብ ጋንታ ክለብ ባይክ አይድ(Bike Aid) ከምዝተሰጋገረ፡ እታ ክለብ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ገጻታ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ሓቢራ።

ክለብ ባይክ አይድ ብዛዕባ ሄኖክ ሙሉእብርሃን ኣመልኪታ ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ፡ ሄኖክ ሙሉእብርሃን ኣብ 2022 ምስ ለብ ኲቤካ ኣሶሳ(Qhubeka assosa) ዘጽንሖ ውዑል ከምዝነበሮን፡ እንተኾነ እታ ክለብ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ውድድራት ቻምፕዮን ዓለም ከምዘይትህሉን፡ ሄኖክ ሙሉእብርሃን ናብ ካልእ ክለብ ክሰጋገር ዝተፈጥረሉ ዕድል፡ ናብ ክለብ ባይክ አይድ ክሰጋገር ከምዝመረጸን ሓቢራ።

ሄኖክ ሙሉእብርሃን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓበይቲ ዓወታት ከምዝግብ ብምኽኣሉ ሓደ ካብ ዝበለጹ ዓሰርተ ብሉጻት ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ 2021 ከምዝኾነ ይዝከር።

Related Articles

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles