ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን፡ ዝሓለፈ ናይ ተሌፎን ርክብ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቀደማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመደን ኣመልኪቱ ምስ ዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ብ ቴለ-ኮንፈረንስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣሉታውን ዘይሓጋዝን ተራ ከምዘለዎን፡ ኣብ ዝርዝር ክእቱ ከምዘይደልን እንተኾነ ግን ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ናይ ስለያን ሓበሬታ ዝረኸብዎ ሓበሬታ፡ እንታይ ዓይነት ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ ከምዝፈልጡን ሓቢሩ። ተራ ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ናይ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝምልከት ንዝቀረበሉ ሕቶ ምላሽ ከምዘይሃበሉን፡ ናብታ ኣቀዲሙ ዝገለጾ ተራ መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ኲናት ኢትዮጵያን ገሊጹ ከምዝሓለፉ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ባዓል ስልጣን፡ ንጉዳይ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣመልኪቱ፡ ሃናጺ ከምዝነበረን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ን ዝርርብ ክፉት ከምዝኾነን ብወገን ህወሓት’ውን ድልውነቶም ዕላዊ ከምዝገበርዎ ክሕብር ከሎ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ መንገድታት ዳግማይ ኩፉት ክኸውንን ሰራዊት መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ከይሰግርን ከምዝሓበሮ ገሊጹ። ነዚ ሓዲሽ ተርእዮ፡ ተስፋ ኡኳ እንተሃለዎ፡ ግን ክሳብ መዓስ ክዘልቕ ወይ’ወን ክኸይድ ይክእል ከምዘይፍለጥ እቲ ባዓል ስልጣን ሓቢሩ።
ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ሰለማዊ ዝርርብ ዝመስል ከይዲ ስጉምትታት ይርአ ከምዘሎ ይፍለጥ።