ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኑ ብዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቀትሉን ካልኦት ኣርባዕተ ከምዝቆሰሉን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ(AFP) ን ኮምሽነር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR) ፍሊፖ ግራንዲ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ፍሊፖ ግራንዲ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወረደ ሞት ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ብምጥቃስ፡ እቶም ዝቆሰሉ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ኲነታት ከምዘለዉ ብተወሳኺ ሓቢሩ።
“ስደተኛታት ዒላማ ክኾኑ ኣይግባእን” ብምባል፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR) ነዚ ጉዳይ ከጻርዮ ምዃኑን ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ቅልውላው ውሕስነት ህይወት ከምዝርከቡ፡ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ምጽንሑ ይዝከር።