back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ተቀቲሎም

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ብዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቀትሉን ካልኦት ኣርባዕተ ከምዝቆሰሉን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ(AFP) ን ኮምሽነር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR) ፍሊፖ ግራንዲ ብምጥቃስ ሓቢራ። 

ፍሊፖ ግራንዲ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወረደ ሞት ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ብምጥቃስ፡ እቶም ዝቆሰሉ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ኲነታት ከምዘለዉ ብተወሳኺ ሓቢሩ።  

“ስደተኛታት ዒላማ ክኾኑ ኣይግባእን” ብምባል፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR) ነዚ ጉዳይ ከጻርዮ ምዃኑን ሓቢሩ። 

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ቅልውላው ውሕስነት ህይወት ከምዝርከቡ፡ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ምጽንሑ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles