ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘለው ጸጥታዊ ብድሆታት ንምህዳእ፡ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ክትመዝዝ ምዃና ኣማኻሪ መንግስትን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ዋንግ ያ ብሓሙስ 6 ጥሪ ገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ዝርርብ ሰላም ክገብራ ሓሳብ ከም ዝሃበ’ውን ኣፍሊጡ። እቲ በዓል ስልጣን ቻይና ነዚ ዝሓበረ፡ ኣብ ኬንያ ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ ግዜ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ህወሓትን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያንኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ክካየድ ኣብ ዝጸነሐ ድፕሎማስያዊ ጻዕርታት ቻይና ብንጥፈት ክትሳተፍ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።
“ንምምይያጥ … እዚ ጕዳይ እዚ ፖለቲካዊ ሓባራዊ ስምምዕ ንምክፋልን ስጕምቲ ንምውሳድን ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትመዝዝ እያ” ክብል ኣፍሊጡ ኣማኻሪ መንግስትን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ቻይና።
ቻይና ኣብ ጂቡቲ ገዚፍ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከምዘለዋ ክፍለጥ ከሎ፡ ነታ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብ ወደብ ጂቡቲ እትሙርኮስ ኢትዮጵያ ድማ ብዙሕ ልቓሕ ከምዝሃበትን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ረብሓኣ ድማ ነዚ ኣብ ቅማረ ዘእተወ ከምዝኾነ ይሕበር። ብዘይካ’ዚ ቻይና ኣብታ ዘይተረጋገአት ደቡብ ሱዳን ወፍሪ ነዳዲ ክህልዋ ከሎ፡ ኣብ ሶማል ዘሎ ጸጥታዊ ጸገም ድማ ነቲ ቻይና ኣብ ጎሮቤት ሃገር ኬንያ ንዘለዋ ገዚፍ ወፍሪ ስግኣት ከምዝፈጥረላ ይዝረብ።
ዋንግ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሞምባሳ ምስ ኬንያዊ መዘንኡ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመጻኢ ዕድል ናይቲ ዞባ ባዕለን ክውስንኦ ከም ዘለወን ገሊጹ ። “ኣብዚ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሰላም ዋዕላ ክገብራ ሓሳብ ሂብናየን ኢና” ክብል’ውን ገሊጹ።
እዚ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምምዛዝ ውሳኔ ቻይና፡ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዘገልገለ ምኩር ዲፕሎማሰኛ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጀፍሪ ፌልትማን ካብ ምዝነቱ ክኣለ ከምዝኾነ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ ግዜ እዩ። ጀፍሪ ፈልትማን ብደቪድ ሳተርፊልድ ዝተባሃለ ካልእ ምኩር ዲፕሎማሰኛ ክትካእ ከምዝኾነ ሰቲት ኣብ ናይ ሮቡዕ 5 ጥሪ ዜና ጸብጽብና ምንባርና ይዝከር።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ዝሓለፈ 4 ጥሪ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምፍጻሙ ይዝከር።