back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን ካብ ስልጣኑ ክእለ እዩ

ፍሉይ ሉኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጀፈሪ ፊልትማን፡ ካብ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ከምዝእለን፡ ብኣምበሳድር መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቱርኪ ነበር፡ ዳቪድ ሰቴርፊልድ ከምዝትካእን ካብ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኣመሪካ ረኺበ ክብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

ሮይተርስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንሚኒስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ከምዝተወከሶን፡ እንተኮነ ግን ዝኮነ ግብረመልሲ ከምዘይረኸበ ይሕበር። ገለ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ነቲ ጉዳይ፡ ኣምባሳደር ፈልትማን ን ሓደ ዓመት ዝኣክል ንኸገለግል ጥራይ ደልየት ከምዝነበሮ ይሕብሩ።

ፍሉይ ሉኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን፡ ብዛዕባ መስርሕ ጉዳይ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረብ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣቱ ይሕበር። ጀፈሪ ፊልትማን፡ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክከታተል ዝሓለፈ ዓመት ብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ከምዝተመዘዘ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ን ጉዳይ ኩናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ጉዳይ ሱዳንን መዕለቢ ንክረክብ ናይ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከካይድ ከምዝጸንሐን ብርክት ዝበለ ግዜ ናብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከምዝበጽሐን፡ ናብ ኤርትራ ምስ ጉዳይ ኩናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓንሳብ ውግዓዊ ምብጻሕ ከምዝገበረን ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ሰዓታት ከምዝተዝተራኸበን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።

ምትካእ ጀፍሪ ፌልትማን ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ክሳብ ሕጂ ዝተገልጸ ነገር ከምዘየለን፡ ንመሰርሕ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያን ሓድሽ ኩነታት ሱዳንን ብከመይ ከምዝጸልዎ ከምዘይተፈልጠ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles