ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ዕድመ ሓድሽ ውዕል ኣብ መንጎ ቀደማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልብሩሃንን፡ ሰንበት 2 ጥሪ 2022፡ ቀደማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣኑ ብገዛእ ፍቃዱ ከምዘልገሰ ካብ ሱዳን ዝተረኽቡ ምንጭታት ሓቢሮም። ዓብደላ ሓምዶክ ብቀጥታ ንህዝቢ ኣብ ተሌቭዥን እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ መደረ ንኹሉ ዝጥርንፍ ሓድነት ዘለዎ መሰጋገሪ ከውሕስ ዝተገብረ ጻዕሪ ውሑስ ክኸውን ከምዘይከኣለ ብምግላጽ ነቲ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፡ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ክብል ገሊጹ። ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ሃገሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ከቢድ ብድሆታት ይገጥማ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ሓላፍነት ሕጂ’ውን ንደቂ ሃገር ኮይኑ፡ ተካእቱ ነቲ ናይ ህዝቢ ለበዋ መስርሕ ዴሞክራሲ ከተግብሩ ጸዊዑ።
ድሕሪ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጥምረት ስቪላውን ወተሃደራውን መንግስቲ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተገበር ሓድሽ ውዕል፡ ቀደማይ ሚኒስተር ሱዳን ናብ ቦታ ስልጣኑ ድሕሪ ምምላሱ፡ ሱዳን ናብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ኲነታት ክትምለስ ትኽእል እያ ዝብል ተስፋ ተገይሩ እኳ እንተ ነበረ፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ህዝቢ ሱዳንን ነቲ ሓድሽ ውዕል ስለ ዘይተቀበሎን ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ሰለማዊ ሰልፊ ብምግባር ክንጽጎን፡ ሓድሽ ስቪላውን ዴሞክራሳያውን መንግስቲ ክምስረት ክጠለብ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝወሰድዎ ግብረመልሲ፡ ብዝሑ ዝበሉ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ምሕባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰልፈኛታት ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሓያል ኩነኔ ክስዕብ ከሎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣድላዪ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ክትወስድ፡ ክትገብሮ እትግብኦ መጽናዕቲ ኣጻፊፋ ከምዘላ ከትሕብር ከምዝጸንሐት ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንቀደማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ጀነራል ኣላፋታሕ ኣልቡርሃንን፡ ናይ ህዝቢ ሱዳን ድሌት ክማላእ ከምዝተማሓጸነት ይግለጽ።
ቀደማይ ሚኒስተር ሱዳን ንሓድነት ሱዳንን መጻኢ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ስለዝርከብ፡ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክፍጸም ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ጸዊዑ ከምዝነበረን፡ ብገዛእ ፍቃዱ ስልጣን ክለቅቕ ከምዝኽእል ሓቢሩ ከምዝነበረን ይግለጽ። ነዚ ናይ ሓምዶክ ስልጣንካ ምልቃቕ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ክቃወምኦ ከለዋ፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጀፍሪ ፊልትማን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ከምዝተዘራረበን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዘይትድግፎን ሓቢሩ ከምዝነበረ ይሕበር።