back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሮሞዳን መሓመድኑር ካብ ተጋዳላይ ክሳብ ኮምሽነር ምርጫ ኤርትራ

ኣብ መጀመርታ ሱሳታት ኣብ ዩንቨርስቲ ካይሮ ልዑል ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ተመሃሮ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓደ ካብቶም ካብ ግብጺ ነቂሎም ንቃልሲ ኣብ ባርካ ዝተራእዩ መንእሰያት ናይቲ እዋን እዩ። ኣብ 1964 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ብምስላፍ ኣብ ዘመነ ክፍልታት ኣብታ ብደቂ ሰምሃርን ቀይሕ ባሕርን ዝተዓብለለት ዝነበረት ራብዐይቲ ክፍሊ ከም ኮምሽነር ኮይኑ ከምዝመርሐ መዛግብቲ ታሪኹ ይሕብሩ።

ሮሞዳን መሓመድ ኑር ድሕሪ ምስላፍ ኣብ ተሓኤ ብዝነበሮ ናይ መርሒነት ጽልዋ፡ ምስ ከም በዓል ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣሕመድ ኢብራሂም፡ ማሕሙድ (ቸኪኒ)፡ ኣሕመድ ኣድምን ኣብ 1967 ብደረጃ ውድብ ናብ ቻይና ንወተሃደራውን ፖሎቲካውን ትምህርቲ ተላእከ።  ድሕሪ እቲ ዓመት ዝወሰደ ትምህርቲ ሮሞዳንን ብጾቱን ናብ ሜዳ ብምምላስ ቃልሱ ብምቅጻል ክሳብ ምፍንጫል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብኣወንታ ንስምረትን ገስጋስነትን ካብ ዝሰርሑ ዝነበሩ ምዃኑ ይጥቀስ።
ድሕሪ ምፍንጫል ጀብሃ ሮሞዳን ዝርከብዎም መብዛሕቲኦም ካብ ራብዐይቲ ክፍሊ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብመገዲ ሱዳን ኣቢሎም ናብ ዓደን፡ ካብ ዓደን ድማ ናብ ደቡባዊ ክፋል ደንከል ብምስጋር ምስቲ ድሮ ተፈንጪሉ ኣብ ከባቢ ዓላ ዝነበረ ብበዓል ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዝነበረ ቀዳማይ ወገንን፡ ምስ ብኣቡጥያራ ዝመርሖ ዝነበረ ሳልሳይ ወገን(ዑበል)  ብምስማር ኣብ 1977 ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ጉባኤ ህዝባዉ ሓይልታት ኤርትራ፡ ከም ኣቦወንበር እቲ ግምባር ብሙዃን ተመሪጹ። ብድሕሪዚ ንኣስታት 10 ዓመት ክሳብ ካልኣይ ጉባኤ ህግሓኤ 1987 ከም ኣቦ ወንበር ብምዃን ከምዝመርሐ ይፍለጥ።

ካብ 1987 ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣባል ፖሎቲካዊ ቤትጽሕፈትን ድሕሪ ናጽነት ድማ ከም ሓላፊ ጨንፈር ፍትሒ ኣብ ህግሓኤ፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ደንከል፡ ምኒስተር ፍትሒ  ኮይኑ ክሳብ መፋርቅ 1994 ከገልግል ከሎ፡ ብድሕር’ዚ ብገዛእ ፍቃዱ ካብ መንግስታዊ ስልጣን ብምእላይ ኣብ ሰለማዊ ህይወት ከምዝኣተወ ይጥቀስ። እንተኾነ ምስታ ድሕሪ ምንዳፍ ቅዋም ስርሓ ጀሚራ ዝነበረት ኮምሽን ምርጫ ኤርትራ፡ ከም ኮሙሽነር ኮይኑ ክሳብ 2006 ይሰርሕ ከምዘነብረ ይሕበር።

ሮሞዳን መሓመድ ኑር ነዚ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት ብዙሕ ደሃዮም ካብ ዘይተሰምዐ ገዳይም መራሕቲ ዝነበረ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ 29 ታሕሳስ ኣብ ሱዳን ሕክምናዊ ረዲኤት ክረክብ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 83 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles