ኒውስዊክ መጋዜን ዝተባህለ፡ 100 ጸለውቲ ኣብ ዓለምና ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝብል ዝርዝር ሰለስተ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስቲዮ ከምዝርከባ ተሓቢሩ። ኣይዳ ተስፋጽዮን፡ ትምኒት ገብሩን ኣስመረት ኣሰፋውን ክኾና ከለዋ፡ ኣብ ዝነጥፋሉ ዓውዲ ብዘበርክትኦ ዘለዋን ኣብ ዓለምና ብዘሕድርኦ ዘለዋ ጽልዋን እየን ኣብዚ ሽም ዝርዝር ክካተታ ዝኸኣላ።ፕሮፌሰር ኣይዳ ተስፋጽዮን፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ሓለቃ መዲካል ኦፊሰር ኣብ ትካል ፋይዘር (pfizer) ትሰርሕ ክትከውን ከላ፡ ምስ ምምጻእ ተላባዒ ሕማም ኮሮና፡ ኣብ ክታበት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ምርምር ከም ሓለቃ መዲካል ኦፊሰር ኮይና ንክትሰርሕ በቲ ትካል ከምዝተመርጸት ይሕበር።
ፕሮፌሰር ኣስመረት ኣሰፋው ብወገና ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ተራ ምዕቃብ ሓመድ ኣብ ምንካይን ምቁጽጻርን ለውጢ ክሊማ ዘተኮረ ምርምራዊ ስርሓን ስዒቡ፡ ብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምምራጻን፡ ኣብ ሚንስትሪ ጻዓት ኣመሪካ ከም ዳይረክተር ናይ ስነፍልጠት ኣብቲ ሚንስትሪ ኮይና ምምራጻ ዝዝከር እዩ።
ብተወሳኺ ትምኒት ገብሩ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ትካል ጎግል ብዘካየደቶ ናይ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ(AI) ዝለዓለ ስም ዝነበራ ክኸውን ከሎ፡ ካብቲ ትካል ድሕሪ ምስጓጋ፡ ትካል ብምኽፋት ሓንቲ ካብ ጸለውቲ ሰባት ኣብ ቴክንሎጂ ኮይና ትርከብ።