back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ጀኔቫ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ተጻዒኑ ዘሎ ዝተናውሐ ምርጋጥ ክለዓል ጸውዒት ቀሩቡ

ጀኔቫ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ተጻዒኑ ዘሎ ዝተናውሐ ምርጋጥ ክለዓል ጸውዒት ቀሩቡ
ብዓርቢ ዕለት 17 ሓምለ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኸይደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ድማ ብፍላይ ተጻዒኑ ዘሎ ዝተናውሐ ምርጋጥን ካብ ቤትካ ከይትወጽእ ዝክልክል ሕጂን ክልዓል ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ 19 ከይለባዕ ብዝብል ምኽንያት ካብ 12 ለካቲት 2020 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተኣዊጁ ዘሎ ጽኑዕ ካብ ቤትካ ከይትወጽእ ዝኽልክል ናይ ምርጋጥ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥሜት ኣኸቲሉ ኣደዳ ሞትን ሕማምን ይገብሮ ብምህላዉ እዩ።

ኣብቲ ብኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብውድብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ቀይሕ ባሕርን ብባይቶ ይኣክል ስዊዘርላንድን ምንቅቓስ ጀኔቫን ዝተጻሕፈ ‘ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ካብ ቤትካ ከይትወጽእ ዝኽልክል ሕጊ ምውሻብን ምርጋጥን ንሱ ዘኸተሎ ጥሜትን ዝገልጽ’ ክልተ ደብዳቤታት ናብ ላዕለወይቲ ጸሓፊት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ህቡራት ሃገራት ሚቸለ ባቸሌትን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉታሬዝን ኣረኪቡ።

ወኪል ውድብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ቀይሕ ባሕርን ኣብ ጀኔቫ ኣቶ ኣሕመድ ሬዶ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ህዝቢ ዓፋር መዓልታዊ ሂወቱ ንምስልሳልን መግቢ ንምምእራርን እንኮ መገዲ ባሕሪ ምኳኑ ብምግላጽ ህዝቢ ዓፋር ናብ ባሕሪ ከይወፍርን ዓሳ ከይገፍፍን ተኸልኪሉ ብምህላዉ ኣደዳ ጥሜት ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣቶ ኣሕመድ ሬዶ መሬት ደንካልያ ንሕርሻ ምቹእ ብዘይ ምዃኑ ህዝቢ ብኣግማል ካብ ጅቡቲ ብጅለቡ ድማ ካብ የመን እኽሊ ይገዝእን ከምዝነበረን ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኩሉ ንጥፈታቱ ከቋርጽ ተገዲዱ ከምዘሎን ህጹጽ ናይ መግቢ ሬዲኤት እንተዘይተጌርሉ ኣደዳ ሕማምን ሞትን ክኸውን ምኳኑ ሓቢሩ።

ብባይቶ ይኣክል ስዊዘርላንድን ምንቅቓስ ጀኔቫን ኣደ ወንበር ዘውዲ ተስፋማርያም ብወገና፡ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ሓገራት ዝተፈላለየ ናይ ምውሻብን ምርጋጥን ስጉምትታን ክወስዳ ንቡር እዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ግን ቀረብ መግቢ ከየረጋገጽካ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብምኳኑ ህዝቢ ናብ ዓዘቕቲ ትሜት ክሽመም ኣኽኢልዎ ከምዘሎ ገሊጻ።

ዝተፈላለዩ አልፈኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብተወሳኪ፡ ናብ ቤተሰቦም ደዊሎም ከምዘረጋገጽዎ እንተኾይኑ፡ ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ርእሲ ምህላዉ ዋጋ መግቢ ብዝተዓጻፈፈ ከምዝወሰኸን ብሰንኩ ድማ ህዝቢ ብጥሜት ይሳቐ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሰልፈኛታት፡ ‘ብሰበብ ኮሮና ቫይረስ ጽንተት ህዝቢ ደው ይበል’፡ ‘ህዝቢ ዓፋር ዓሳ ክገፍፍን ክምገብን ይፈቐደሉ’፡ ‘ውሕስነት መግቢ ብቐዳምነት ይረጋገጽ’ ካልእ ዝብሉ ጭርሖታት ኣልዒሎም ኔሮም።

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles